Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Tuesday
Dec 02nd
Africa News arrow News arrow Tigrigna: mBLaeKa zLemedes kRjeeKa yemBahQu
Tigrigna: mBLaeKa zLemedes kRjeeKa yemBahQu Print E-mail
Written by Medhanie Tesfalem   
Wednesday, 19 September 2007

ምብላዕካ ዝለመደስ ክርእየካ የምብሃቑ ፡

 ከምተርእዮ ናይእዛ ዓለምና ፡ ማዕረ ማዕረ ናይ ደቂሰባት ህላውነቶም ንምዕዛዝን ፡ ብሰላምን ስኒትን ክነብሩ ዝገብርዎ ቃልሲ ፡ ክንድኡን ፡  ወረ ሎምስ ዕጽፉ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን ብስስዐን ምድንጋርን ፡ ክፍኣትን ጥልመትን ፡ ምዝመዛን ራዕድን ሽበራን ፡ እዛ ምጭውቲ ዓለምና ፡ ኩሉ ብማዕረ ክነብረላ ዝተፈጥረት ፡ ከም ብማዕበል እትንኖ መርከብ ፡ ሕጂዶ ዳሕራይ ትጥሕል እናበልካ ሃምኻን ቀልብኻን ትሰልብ ፡ ይሓቑንዋን ይርብጹዋን ኣሎዉ ፡ እዚ ክኣ ዳርጋ ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ ኣሎ ፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ ጁሴፐ ሳፔቶ ፡ ንመጀመርታ ግዜ ድርኩኺት እግሩ ኣብ መሬትና ክረግጽ እንከሎ ፡ ቀሺ እንክንሱ ፡ ከምሼኽ ኮይኑ ፡ ድሌትካ ክሳብትፍጽም ነቲ ከባቢ ምምሳል ( ኩን ከመሃገረህዝብከ ) ንቶንኮሉ ብመንፈሳዊ እምነት ኣጎልቢቡ ፡ ነቲ ከባቢ ኣደናጊሩ ፡ ንሃገርና ኤርትራ ግዳይ ናይቲ ፋሽሽታዊ ገዛኢ ጣልያን ጌይሩዋ እዩ ፡

ኣብዚ ምዕቡል እዋን እውን እዚ ዓይነት ተንኮል ብምዕቡል ሓሶትን ኣገባብን ቀጻሊ እዩ ዘሎ ንክትበልዖ ዝደለኻ ኣቦጉምባሕሲ ዓጋዜን በላ እዩ ፡ ፋሕተርተር ኢለ ብጽፍረይ ዝረኸብኩዎ ብበረኽት ይኣኽለኒ እዩ ዝበለ ፡ ኣይፋሉን ጥሜትን ሕማምን ስለዘካ እዛ እዋን ኣይትሓልፋን ኢኻ’ሞ ባዕላትና ኣመንጊግና ከነብልዓካ ፡ ልሙስ ኩን ፡ ድሕሪ ኣካላዊ መልመስቲ ናይ ኣእምሮ መልመስተውን ክውቀረካ ኣሎዎ ፡ እንተኣቤኻ ሽዑ ኣብኣ ትዴኻ ፡ መኽንያቱ ነዚ እኬይ ተግባራት ዘፈጽሙ ካብ ጎንታትካ ዝተመልመሉ ስለዘለዉ በጸረርታ ኣብህዋሳትካ ዝኣተዉ እዮም ዝመስሉ ፡ ንምዕሳብ ፡ ዘብዘብ ክብሉ ክኣ ዝኸጅሉ ፍጥረት ኣይኮኑን ፡

ሕማም በልሽውና ፡ ከም ሕማም ኣነሶ ፡ ተላቢዑ ከምዝዓቢ ገይሮም ፡ ኣብ መንጎ ሓድነትካን ባህልኻን ኣትዮም ከም ብላይ ነጸላ ፡ ተለጊብካ ውቐይ ከምዘይትኸውን ይሰርሑኻ’ሞ ፡ ድልየቶም ንኽረኽቡ ዝኽልክሎም ሓይሊ የሎን ፡ናቶም መሳርሒ ኮይነን ዘሎዋ  ህዝባዊ ምርጫ ፡ ሕጊ ፕረስ ፡ መሰለ ደቂሰባት ፤ ወዘተ… ክትሰምዐን ምዓር ዝጥዕማ ፡ ብተግባር ክትርእየን ግን ፡ ኣብቲ ጸልማት ዝስራሕ ተዋስኦ ፡ መፈጠርካ ዘጽልእ’ዩ፡ ነዚ ምስጢር ተበላሒትካ ምስእትፈልጥ ፡ ጸረሰላምዶ ግበር ሽበራ ተባሂልካ ፡ ንሃድን  ትፍረድ ፡

ጎብለል ብኹሉ ኮይኖም ኣይተሳፍሕ ኣይተኮርመ እናበሉ ዝሰርሑኻ ይጠፍኦም ፡ ዓመጽ ግፍዒ ምስእድያቱ ኮይኑ ፡ ነቲኣ ዝተፈጠርካላ መዓልቲ ክትራገም ትውዕል ፡ምርጋም ግን ሕልፈት ስለዘይብሉ ፡ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ከምዝብሃል ፡ ነዚ እኬይ ውዲታቶም ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣቐዲሙ እዩ ነቒሕሉ ፡ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ብነድሪ ሓንሳብን ንሓዋሩን’ዩ ተላዒሉ ፡

ክብርኻ ፡ ናጽነትካ ፡ ብትካቦ ወይ ብጉንዖ ፡ ወይክኣ ክቡር ደምካ ባይታ ከየንጠብካ ርሃጽካ ከምፈለግ ከየዛረኻ ፡ ክረጋገጽ ስለዘይካአል ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንሰላም ሓቲቱ  ሰማዒ ምስ ስኣነ ፡ በቲ ዝሰምዕዎ ቋንቋ ክሟጎቶም ተገዲዱ ፡ ተሰዊኡ ክኣ ወናኒ ዕድሉ ክኸውን በቒዑ ፡  ዕረ እናጥዓሞም  ታሪኻዊ ስዕረት ይስዓሩ ድኣምበር ፡ ዳርጋ ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን ዝዓይነቱ ፤ ካብ ምንብህቛውሲ ዓዲ ኣይውዓሉን ፡

ብጽፍርና ፡ ከምናይትማሊ ቃልሲ ንናጽነት ፡ ሎሚ ክኣ ምርግጋጽ ንቁጠባዊ ሓርነት  ኢልና ኣብዝተበገስናሉ ፡ ከም-ማሕታ በርቂ ንሕዱር ሸውሃቶም ስለዝሰባበሮ ፡ ድሕዝዎን ዝገብርዎን’ዩ ጠፊእዎም ፡ ንሶም እቶም ታሪኻዊ ጸላእትና እዮም ፡ ካብዝን ካብትን ሰበብ ኣላቒቦም ፡ ንዕኡ ዘተግብር ሃሱስ ዝቡይ ኣዋዲዶም ፡ ትልኽ እናበሉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ግጭት ምጉሁሃር ምብራዕ እዚ እቲ ቀንዲ ውዲቶም እዩ ፡ ንሱ ስለዝኾነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሃልሃል ዝብል ሲኦል ዝኾነ መጋርያ ወሊዖምሉ ፡ ነዚ ሃልሃልታ ምእንቲ ሰላም ደቂሰባት ፡ ከቕህም ዝቃለስ ፡ ግብረሽበራ ፡ ጸረ- ሰላም የጠምቕዎ ፡ እቲ ናቶምሲ እንዳማቶም እዩ ነገሩ ፡

ሓቂ ግን ንመደናገርትን መዝመዝትን ተሕቅቕ እምበር ኣይትቕበርን ፡እዚ ብተግባር ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ህያው ዝገበሮ ፡ ንሓወልቲ ውጹዓት ዝወረቐ ህዝቢ እዩ ፡

 

    ሰማዕታትና ክቐስኑ ፡ ዕላምኦም ብተግባር ከነሰንዮ ይግባእ !

               ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !

 

Comments
Add NewSearchRSS
Anonymous   | 88.65.120.xxx | 2008-01-06 16:15:04
Only registered users can write comments!




Reddit!Del.icio.us!Google!Live!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Simpy!Newsvine!Furl!Blogmarks!Yahoo!Ma.gnolia!FeedMeLinks!
Last Updated ( Wednesday, 19 September 2007 )
 
< Prev


>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo

 

Victory To The People of Somalia!

Biddo.com TV - President Isaias inspects progress of development projects in Gash Barka region

Glory to the Eritrean army of development!!
Powered by Asmarino5 (www.eastafro.com)

Meeting the Challenge - Biddho Tours through Europe

Advertising!


Advertising

For The Record

Ethiopia rejects the Eritrean imaginary claim of sovereign territory occupied by Ethiopia

Sponsored Links

Global News