Tigrigna
Tigrigna: mBLaeKa zLemedes kRjeeKa yemBahQu | Tigrigna: mBLaeKa zLemedes kRjeeKa yemBahQu |
|
|
| Written by Medhanie Tesfalem | |
| Wednesday, 19 September 2007 | |
|
ምብላዕካ ዝለመደስ ክርእየካ የምብሃቑ ፡ ከምተርእዮ ናይእዛ ዓለምና ፡ ማዕረ ማዕረ ናይ ደቂሰባት ህላውነቶም ንምዕዛዝን ፡ ብሰላምን ስኒትን ክነብሩ ዝገብርዎ ቃልሲ ፡ ክንድኡን ፡ ወረ ሎምስ ዕጽፉ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን ብስስዐን ምድንጋርን ፡ ክፍኣትን ጥልመትን ፡ ምዝመዛን ራዕድን ሽበራን ፡ እዛ ምጭውቲ ዓለምና ፡ ኩሉ ብማዕረ ክነብረላ ዝተፈጥረት ፡ ከም ብማዕበል እትንኖ መርከብ ፡ ሕጂዶ ዳሕራይ ትጥሕል እናበልካ ሃምኻን ቀልብኻን ትሰልብ ፡ ይሓቑንዋን ይርብጹዋን ኣሎዉ ፡ እዚ ክኣ ዳርጋ ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ ኣሎ ፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ ጁሴፐ ሳፔቶ ፡ ንመጀመርታ ግዜ ድርኩኺት እግሩ ኣብ መሬትና ክረግጽ እንከሎ ፡ ቀሺ እንክንሱ ፡ ከምሼኽ ኮይኑ ፡ ድሌትካ ክሳብትፍጽም ነቲ ከባቢ ምምሳል ( ኩን ከመሃገረህዝብከ ) ንቶንኮሉ ብመንፈሳዊ እምነት ኣጎልቢቡ ፡ ነቲ ከባቢ ኣደናጊሩ ፡ ንሃገርና ኤርትራ ግዳይ ናይቲ ፋሽሽታዊ ገዛኢ ጣልያን ጌይሩዋ እዩ ፡ኣብዚ ምዕቡል እዋን እውን እዚ ዓይነት ተንኮል ብምዕቡል ሓሶትን ኣገባብን ቀጻሊ እዩ ዘሎ ንክትበልዖ ዝደለኻ ኣቦጉምባሕሲ ዓጋዜን በላ እዩ ፡ ፋሕተርተር ኢለ ብጽፍረይ ዝረኸብኩዎ ብበረኽት ይኣኽለኒ እዩ ዝበለ ፡ ኣይፋሉን ጥሜትን ሕማምን ስለዘካ እዛ እዋን ኣይትሓልፋን ኢኻ’ሞ ባዕላትና ኣመንጊግና ከነብልዓካ ፡ ልሙስ ኩን ፡ ድሕሪ ኣካላዊ መልመስቲ ናይ ኣእምሮ መልመስተውን ክውቀረካ ኣሎዎ ፡ እንተኣቤኻ ሽዑ ኣብኣ ትዴኻ ፡ መኽንያቱ ነዚ እኬይ ተግባራት ዘፈጽሙ ካብ ጎንታትካ ዝተመልመሉ ስለዘለዉ በጸረርታ ኣብህዋሳትካ ዝኣተዉ እዮም ዝመስሉ ፡ ንምዕሳብ ፡ ዘብዘብ ክብሉ ክኣ ዝኸጅሉ ፍጥረት ኣይኮኑን ፡ ሕማም በልሽውና ፡ ከም ሕማም ኣነሶ ፡ ተላቢዑ ከምዝዓቢ ገይሮም ፡ ኣብ መንጎ ሓድነትካን ባህልኻን ኣትዮም ከም ብላይ ነጸላ ፡ ተለጊብካ ውቐይ ከምዘይትኸውን ይሰርሑኻ’ሞ ፡ ድልየቶም ንኽረኽቡ ዝኽልክሎም ሓይሊ የሎን ፡ናቶም መሳርሒ ኮይነን ዘሎዋ ህዝባዊ ምርጫ ፡ ሕጊ ፕረስ ፡ መሰለ ደቂሰባት ፤ ወዘተ… ክትሰምዐን ምዓር ዝጥዕማ ፡ ብተግባር ክትርእየን ግን ፡ ኣብቲ ጸልማት ዝስራሕ ተዋስኦ ፡ መፈጠርካ ዘጽልእ’ዩ፡ ነዚ ምስጢር ተበላሒትካ ምስእትፈልጥ ፡ ጸረሰላምዶ ግበር ሽበራ ተባሂልካ ፡ ንሃድን ትፍረድ ፡ ጎብለል ብኹሉ ኮይኖም ኣይተሳፍሕ ኣይተኮርመ እናበሉ ዝሰርሑኻ ይጠፍኦም ፡ ዓመጽ ግፍዒ ምስእድያቱ ኮይኑ ፡ ነቲኣ ዝተፈጠርካላ መዓልቲ ክትራገም ትውዕል ፡ምርጋም ግን ሕልፈት ስለዘይብሉ ፡ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ከምዝብሃል ፡ ነዚ እኬይ ውዲታቶም ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣቐዲሙ እዩ ነቒሕሉ ፡ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ብነድሪ ሓንሳብን ንሓዋሩን’ዩ ተላዒሉ ፡ ክብርኻ ፡ ናጽነትካ ፡ ብትካቦ ወይ ብጉንዖ ፡ ወይክኣ ክቡር ደምካ ባይታ ከየንጠብካ ርሃጽካ ከምፈለግ ከየዛረኻ ፡ ክረጋገጽ ስለዘይካአል ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንሰላም ሓቲቱ ሰማዒ ምስ ስኣነ ፡ በቲ ዝሰምዕዎ ቋንቋ ክሟጎቶም ተገዲዱ ፡ ተሰዊኡ ክኣ ወናኒ ዕድሉ ክኸውን በቒዑ ፡ ዕረ እናጥዓሞም ታሪኻዊ ስዕረት ይስዓሩ ድኣምበር ፡ ዳርጋ ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን ዝዓይነቱ ፤ ካብ ምንብህቛውሲ ዓዲ ኣይውዓሉን ፡ ብጽፍርና ፡ ከምናይትማሊ ቃልሲ ንናጽነት ፡ ሎሚ ክኣ ምርግጋጽ ንቁጠባዊ ሓርነት ኢልና ኣብዝተበገስናሉ ፡ ከም-ማሕታ በርቂ ንሕዱር ሸውሃቶም ስለዝሰባበሮ ፡ ድሕዝዎን ዝገብርዎን’ዩ ጠፊእዎም ፡ ንሶም እቶም ታሪኻዊ ጸላእትና እዮም ፡ ካብዝን ካብትን ሰበብ ኣላቒቦም ፡ ንዕኡ ዘተግብር ሃሱስ ዝቡይ ኣዋዲዶም ፡ ትልኽ እናበሉ ኣብ መንጎ ህዝብታት ግጭት ምጉሁሃር ምብራዕ እዚ እቲ ቀንዲ ውዲቶም እዩ ፡ ንሱ ስለዝኾነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሃልሃል ዝብል ሲኦል ዝኾነ መጋርያ ወሊዖምሉ ፡ ነዚ ሃልሃልታ ምእንቲ ሰላም ደቂሰባት ፡ ከቕህም ዝቃለስ ፡ ግብረሽበራ ፡ ጸረ- ሰላም የጠምቕዎ ፡ እቲ ናቶምሲ እንዳማቶም እዩ ነገሩ ፡ ሓቂ ግን ንመደናገርትን መዝመዝትን ተሕቅቕ እምበር ኣይትቕበርን ፡እዚ ብተግባር ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ህያው ዝገበሮ ፡ ንሓወልቲ ውጹዓት ዝወረቐ ህዝቢ እዩ ፡
ሰማዕታትና ክቐስኑ ፡ ዕላምኦም ብተግባር ከነሰንዮ ይግባእ ! ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !
|
|
| Last Updated ( Wednesday, 19 September 2007 ) |
| < Prev |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
| Africa NewsHomeNewsHeadlinesHzbawi MeketeTigrignaMagazinAudio&VideoNews Feeds HORNASearchContact UsGallery |