Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Tuesday
Dec 02nd
Africa News arrow News arrow Tigrigna: nebAt HaRgeZ
Tigrigna: nebAt HaRgeZ Print E-mail
Written by Henok Haben   
Wednesday, 19 September 2007

ንብዓት ሓርገጽ!!

 

ዕለት 22.09.2007 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ከምዝኾነ ዝገልጽ ጻውዒት ተመልኪትና። እቲ መግለጺ በተን ወያነ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኤርትር ዝጥቀመለን  ልሙዳት ቃላት ኢዩ ዝፍልም። ኩለን ማሕበራዊ ቀጸላታት ከምዝተሃሰያ ገሊጹ ኸኣ ‘ዘይደመየት ስድራ-ቤት የላን’ ኢሉ ብውርዙይ ቃላት መእተዊኡ ይዛዝም። ትሕቲ ኢሉ ኸኣ “ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ብተቓወምቲ ውድባት ሲቪካዊ ማሕበራትን ክግበር ስለ ዝተወሰነ” ይብል።

ስለዚ ብቓላት ‘ናይ ሓባር ኣዳላዊ ሽማግለ’ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ሃንቀውታ ህዝቢ ዝተበገሰ ዘይኮነ፡ ብዊንታ ተቓወምትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝተወሰነ ኢዩ። መን ንመን ይውስነሉ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ንጎኒ ገዲፍካ፡ እዘን ተቓወምትን ሲቫካዊ ማሕበራትን ዝበሃላ መን-መን ኢየን? እተን ወግሐ-ጸብሐ ኣብ “ኩርሲ-ዙፋን” መን ተወጠሐ ብዝብል ነንሕድሕደን ዝመናጨታ ድየን? ዋላስ ዓለማዊ እባ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ እባ ብሄራዊ፡ ብማለት ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ ዝጻፋዓ ሰብ መትከል-ኣልቦ ኢየን? ዋላስ ኣብ ሳልሳይ ወራር ደድሕሪ ወያነ ዞኽ-ዞኽ ብምባል ኤርትራውያን ኣዴታት ዘድፈሩን ድስቲ-ኩስኩስቲ ዝፈገሩን ኢዮም? ዋላስ ነቲ ጭዋ ናይ ቃልሲ ባህሊ ንምብላልን ኣብ ዓለም ዘለዎ ክቡር ቦታ ንምሕካኽን፡ ኤርትራ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራውያን ክትሰፍር ኣለዎ ኢሎም ዝምጉቱ ኢዮም?

ኣንቱም ሰባት ካብ ዲሞክርሲ ተጓዕጺጹ፡ ዲክታቶር መጺኡ እንዳበልካ ካብ ምቑዛምሲ፤ መሬትና ተጎቢጡ፡ ልኡላውነትና ተጋሂሱ፡ መሰለት ሃገርና ብዘይ ኣገባብ ምእንቲ ረብሓ ወያነ ተደዊኑ ኢልካ ምጉያይ’ዶ ኣምበይምሓሸን?

ኣብ ጸረ-ሃገር፡ ሃሱሳት፡ ከደምቲ ሓያላን ኢና ናይ ዝብላ ሃገራት ኣብ ዝወደብዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተሰሊፉ ዝውዕል ኣይክህሉን ኢዩ። እቲ ምድንጋር ክጥዕሞም ነቶም ትማል-ትማል ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱሎም ዝህንደዱ ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣስማት እንዳልዓሉ፡ ኮር ተገልበጥ ምእንታኹም ሰልፊ ንገብር ኣለና ኢሎም ኣውያት ምዝርግሖም ኢዩ። እዚ ንብዓት ሓርገጽ ይበሃል። ሃገር ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዕዳጋ ኣይትወርድን ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ “ስጋ እዛ ሃገር” ኢሉ ስለዝመሓለ፡ ራሃወ-ጸበበ ምስ ሃገሩን መንግስቱን ኢዩ። እንኮላይ እቲ ብግዝያዊ ውልቃዊ ጸገማቱ ትሽቅጡሉ ዘለኹም!!!!

ሓራን ልኡላዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!!

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!

ሄኖክ ሓበን ተ.

(ጀርመን)

Comments
Add NewSearchRSS
Only registered users can write comments!




Reddit!Del.icio.us!Google!Live!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Simpy!Newsvine!Furl!Blogmarks!Yahoo!Ma.gnolia!FeedMeLinks!
Last Updated ( Wednesday, 19 September 2007 )
 
< Prev   Next >


>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo

 

Victory To The People of Somalia!

Biddo.com TV - President Isaias inspects progress of development projects in Gash Barka region

Glory to the Eritrean army of development!!
Powered by Asmarino5 (www.eastafro.com)

Meeting the Challenge - Biddho Tours through Europe

Advertising!


Advertising

For The Record

Ethiopia rejects the Eritrean imaginary claim of sovereign territory occupied by Ethiopia

Sponsored Links

Global News

NYT Africa


The Spoils: Congo’s Riches, Looted by Renegade Troops

World Briefing | Africa: Zimbabwe: Mediator Is Rejected

3,000 Flee Congo Clash