| Tigrigna: nebAt HaRgeZ |
|
|
| Written by Henok Haben | |
| Wednesday, 19 September 2007 | |
|
ንብዓት ሓርገጽ!! ዕለት 22.09.2007 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ከምዝኾነ ዝገልጽ ጻውዒት ተመልኪትና። እቲ መግለጺ በተን ወያነ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኤርትር ዝጥቀመለን ልሙዳት ቃላት ኢዩ ዝፍልም። ኩለን ማሕበራዊ ቀጸላታት ከምዝተሃሰያ ገሊጹ ኸኣ ‘ዘይደመየት ስድራ-ቤት የላን’ ኢሉ ብውርዙይ ቃላት መእተዊኡ ይዛዝም። ትሕቲ ኢሉ ኸኣ “ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ብተቓወምቲ ውድባት ሲቪካዊ ማሕበራትን ክግበር ስለ ዝተወሰነ” ይብል። ስለዚ ብቓላት ‘ናይ ሓባር ኣዳላዊ ሽማግለ’ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ሃንቀውታ ህዝቢ ዝተበገሰ ዘይኮነ፡ ብዊንታ ተቓወምትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝተወሰነ ኢዩ። መን ንመን ይውስነሉ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ንጎኒ ገዲፍካ፡ እዘን ተቓወምትን ሲቫካዊ ማሕበራትን ዝበሃላ መን-መን ኢየን? እተን ወግሐ-ጸብሐ ኣብ “ኩርሲ-ዙፋን” መን ተወጠሐ ብዝብል ነንሕድሕደን ዝመናጨታ ድየን? ዋላስ ዓለማዊ እባ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ እባ ብሄራዊ፡ ብማለት ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ ዝጻፋዓ ሰብ መትከል-ኣልቦ ኢየን? ዋላስ ኣብ ሳልሳይ ወራር ደድሕሪ ወያነ ዞኽ-ዞኽ ብምባል ኤርትራውያን ኣዴታት ዘድፈሩን ድስቲ-ኩስኩስቲ ዝፈገሩን ኢዮም? ዋላስ ነቲ ጭዋ ናይ ቃልሲ ባህሊ ንምብላልን ኣብ ዓለም ዘለዎ ክቡር ቦታ ንምሕካኽን፡ ኤርትራ ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራውያን ክትሰፍር ኣለዎ ኢሎም ዝምጉቱ ኢዮም?
ኣንቱም ሰባት ካብ ዲሞክርሲ ተጓዕጺጹ፡ ዲክታቶር መጺኡ እንዳበልካ ካብ ምቑዛምሲ፤ መሬትና ተጎቢጡ፡ ልኡላውነትና ተጋሂሱ፡ መሰለት ሃገርና ብዘይ ኣገባብ ምእንቲ ረብሓ ወያነ ተደዊኑ ኢልካ ምጉያይ’ዶ ኣምበይምሓሸን? ኣብ ጸረ-ሃገር፡ ሃሱሳት፡ ከደምቲ ሓያላን ኢና ናይ ዝብላ ሃገራት ኣብ ዝወደብዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተሰሊፉ ዝውዕል ኣይክህሉን ኢዩ። እቲ ምድንጋር ክጥዕሞም ነቶም ትማል-ትማል ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱሎም ዝህንደዱ ናይ ዝነብሩ ሰባት ኣስማት እንዳልዓሉ፡ ኮር ተገልበጥ ምእንታኹም ሰልፊ ንገብር ኣለና ኢሎም ኣውያት ምዝርግሖም ኢዩ። እዚ ንብዓት ሓርገጽ ይበሃል። ሃገር ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዕዳጋ ኣይትወርድን ኢያ። ህዝቢ ኤርትራ “ስጋ እዛ ሃገር” ኢሉ ስለዝመሓለ፡ ራሃወ-ጸበበ ምስ ሃገሩን መንግስቱን ኢዩ። እንኮላይ እቲ ብግዝያዊ ውልቃዊ ጸገማቱ ትሽቅጡሉ ዘለኹም!!!! ሓራን ልኡላዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!! ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!! ሄኖክ ሓበን ተ. (ጀርመን) |
|
| Last Updated ( Wednesday, 19 September 2007 ) |
| < Prev | Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC
From `legal nonsense to `legal fiction.

With effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.