| Tigrigna: Hager |
|
|
| Written by Medhanie Tesfalem | |
| Saturday, 22 September 2007 | |
|
ቁንጣሮ ካብቲ ብረኩት ፡ ጥቕሲ ናይ ሓርበኛ ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ውልደማርያም ፡ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቁ.75 … ዕለት 31/01/1944 ሰብ ናይ’ታ እተወልደላ ቤት ጥራይ ኣይኮነን ፡ ሰብ ናይ’ታ ስም ዝሃበቶ ስድራቤት ጥራይ’ውን ኣይኮነን ፡ ንሱ ካብ’ታ ክውለድ እንከሎ ዝርኣየቶ ቤት ኣዝያ እትዓቢ ካልእ ቤት ኣላቶ ፡ ንሳ ድማ ሃገሩ እያ ፡ ንሱ ካብቶም ብኽንደይ ክንክንን ፍቕርን ዘዕበይዎ ወለዱን ኣሕዋቱን ፡ ኣዝዮም ዝበዝሑን ዝተፈቐሩን ፡ ካልኦት ወለድን ኣሕዋትን ክኣ ኣሎዉዎ ፡ ንሳቶም ድማ ደቂ ሃገሩ እዮም ፡እቲ ናይሓቂ ሰብ ቅድሚኩሉ ነቲ ፈጣሪኡ መድሓኒኡን ማለት ንኣምላኽ ከፍቅር ይግብኦ ፡ ቀጺሉ ንስድራቤቱ ከፍቅር ፡ ቀጺሉ ድማ ንሃገሩ ክፍቅር ይግብኦ ፡ እቲ በዚ መንገዲ’ዚ ተር ኢሉ ዘይኸይድ ስብ ፡ ሃገረይ የፍቅር’የ ዝብል ናይ ብሓቂ ግጉይ እዩ ፡ መኽንያቱ በቲ ሓቀኛ መንገዲ ስለዘይመጸ ፡ ( ሓደ ንወለዱን ንኣሕዋቱን ዘየፍቅር ስብ ፡ ከመይ ኢሉ ንሃገረይ የፍቅር እየ ዝብል ? ) ፍራሃተ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብከ ፡ ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ህዝቡን ሃገሩን ፡ ክብረት መንግስቱን ክህልዎ ? ፍቕሪ ተፈጥሮ እዩ ፡ ግናኸ ፍቕሪ ትምህርቲ እውን እዩ ፡ ስለምንታይ ዑፍ ከይተረፈት ቤታ ተፍቅር ? ወኻርያ ከይተረፈትውን ጉድጓዳ ተፍቅር ? ፍቕሪ ናይብሓቂ ትምህርቲ እዩ ፡ መኽንያቱ በዚ ኣብላዕሊ ከምኣብነት ተጠቒሱ ዘሎ መንገዲ ስለዝኸይድ ፡ በዚ መሳልል ገይሩ ክኣ እናደየበ ፡ ኣብ ፍቕሪ ሃገሩ ይበጽሕ ፡ በዚ ሓቀኛ ፍቕሪ ተኾስኪሱ ዝዓበ ሰብ ፡ ምእንቲ እቲ ዘፍቅሮ ህዝቡን ሃገሩን ፡ ሂወቱ እውን ከይተረፈ ክብጀወሉ ቁርብነቱ ዘረጋገጸ እዩ ፡ ሃገር ማለት ፡ እምባታት ጎላጉል ውሓይዝ ቀላያት ኣደራሻት ሓወልትታት ኣይኮነን ፡ ሃገር ማለት ሰባት ፡ ( ህዝቢ ) እዩ ፡ እቶም ኣብ መሬት ኣቦታትካን መሬትካን ዝነብሩ ፡ ሕብረኻ ዝሕብሮም ፡ ልሳንካ ዝልሳኖም ፡ ሳባት ፡ ንሳቶም እዮም ሃገርካ ፡ ንኣታቶም ዘይተፍቅሮም እንተድኣ ኮይንካ ፡ ሃገርካ ዘይተፍቅር ሰብ ምዃንካ ኣጸቢቕካ ተረዳእ ፤ እንተሃብተምካ ፡ እንተፈከርካ ፡ ኣብ ህዝቢ ሽብን ጉብን እንተኣእቶኻ ፡ ፍቕሪ ሃገር ዝመስሎም ብዙሓት ዝተደናገሩ ኣለዉ ፡ እዚ ግና ካብ ነብሰ ፍትወት ሓሊፉ ፡ ፋሺዝሞ ኢዩ’በር ፍቕሪ ሃገር ኣይኮነን ፡ ፍቕሪ ሃገር እቲ ቀዳማይ መሰረቱ ፡ ፈሪሃ እግዝኣቢሔር እዩ ፡ እቲ ካልኣይ መሰረቱ ክኣ ፍቕሪ ብጻይካን ጎንኻን ሃገርካን እዩ ፡ እቲ በዚ መንገዲ’ዚ ንሃገሩ ዘፍቅር ሰብ ፡ ምንም እኳ ካብኩሉ ዝወሓደን ዝደኸመን እውን እንተኾነ ፡ እቲ ካብኩሉ ዝበርትዐን ፡ ኣብ መወዳኢትኡ ክኣ እቲ ዝዕወት ንሱ እዩ ፡ ስለምንታይ ብሃልሃልታ ፍቕሪ ዝተነድቀ ሓድነት ፡ ንሓጺን ስለዘምክኽ ፡ ስለዚ ኣብ እትገብሮ ኩሉ ዓወት ክትረክብ እንተደሊኻ ፡ ህዝብኻን ሃገርካን ኣፍቅር ፡ ንፍቕሪ ሓደእኳ ከሰንፋ ኣይክእልን እዩ ፡ ፍቕሪ ንሓቂ ክትደሊ ኮቶ ኣይክትሕለልን ኣይክትድሃልን እያ ፡ ኣብ መወዳእትኡ ክኣ ፡ ንሓሶትን ብድዐን ቀቢረን ፡ ፍቕርን ሓቅን መሳንይቲ ስለዝኾና ፡ መናብርቲ እየን ፡ እቲ ህዝቡን ሃገሩን ዘፍቅር ኩሉ ግዜ እታ ዓወት ናቱ እያ ፡
ዓወት ንሓፋሽ ! መድሃኔ ተስፋኣለም ፡ |
|
| Last Updated ( Saturday, 22 September 2007 ) |
| < Prev | Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo


Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC
From `legal nonsense� to `legal fiction�.

With effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.