Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Tuesday
Dec 02nd
Africa News arrow News arrow Tigrigna: Hager Abotatna
Tigrigna: Hager Abotatna Print E-mail
Written by Medhanie Tesfalem   
Sunday, 23 September 2007

ሃገር ኣቦታትና ፡

 

ክቡር ኣምባቢ ንሎሚ ንካልኣይ ግዜ ካብ ኣስተምህሮ ናይ ኣቦና ሓርበኛ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ሒዘልካ የቐርብ ኣሎኹ ፡ ብጽሞና ትዕግስትኻ ወፊኻ ንዘአንግደካ ጽሑፍ ምንባብካን ትዕዝብትኻ ምልጋስካን እናአመስገንኩ ፡ እቲ ቀንዲ መኽንያት ፡ ብኸምዚ ሃብታምን ንእዱን ኣስተምህሮ ዝዓዘዘ ናይ ሓርበኛ ፡ ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ምርኩስ ምግባር ዝያዳ ስለዘገደሰንን ኣብቲ ናይ ሓባር ብድሆን ትግባሬኡን ንምባጻሕ ዝዓለመ ምዃነይ ድሮ እኳ ኣብዛ ካልኣይቲ እንግዶተይ ተረዲእካኒ ክትከውን ብዓል ምሉእ ተስፋ እየ ፡

 እኒሆ በል ካብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቁ.217 ዕለት 24/10/1946  ኣቅርበልካ ኣሎኹ’ሞ ሰናይ ሓባር ጉዕዞ፡

  እግዝኣቢሔር ንመሬት ብኣትክልትን ብእንስሳን ብሰብን ከም ዝመልኣ ዘዘንቱ ቃላት ከንብብ ከለኹ ፡ በቲ ናይ ቆልዓ ኣእምሮይን ምህዞይን ፡ መሬት ካብቲ ኣማዕድየ ዝርእዮ ዝነበርኩ ፡ መጠን ደረት ትርኢተይ ዘይትሰፍሕ ፡ ኣትክልቲውን ካብ ወትርግ ዝርእዮን ዝሓስቦን ዝነበርኩ ፡  ዝተወልድኩላ ዓዲ ዝነበሩ ጎቦታት ፡ ካብኡ ዘይበዝሑ ፡ ንእንስሳታት ውን ብኸምኡ መጠን ዝነበረ ኣፍልጦይ ፡ምንባሩ’ዩ፡

ካብ ዝተወለድኩላ ዓዲ ዝዓብዩ ዓድታትን ቁሸታትን ከምዝነበሩ ዝግምግም ሓሳባት ኣእምሮይ ዘይበሰለን ብዛዕባ ቀላያትን ባሕርታትን ውቅያኖሳትን  ክዝረብ እንከሎ ገና ዝኾነ ይኹን ምህዞ ኣይነበረንን ፡

 እቲ ኣብ ልዕሊ ደምቤና ዝዘነበ ዝናብ ምስቲ ናይ ቅርዓት ተጸንቢሩ ፡ ምስቲ ናይጎላጉልን ጎቦታትን ተሓዋዊሱ ከመይ ዝበለ ኣኼባ ናይ ማይ ከምዝገብር ከስተውዕሎ ኣይክኣለንን ነበረ ፡

  ልቢ ክሶኩዕ ኣእምሮ ከስፍሕ ፡ ነቲ ዘሸግረኒ ዝነበረ ውሽጣዊ ጸገማትን ሕቶታትን ፡ ብዛዕብኡ ክዛረብ ክእለት ብዝረኸብኩ ግና ፡ ነቦይ ሕቶታት ደድሕሪ ሕቶታት ከዝንበሉ ጀመርኩ ፡ ንሱ ድማ ለባምን ሕያዋይን እዩ’ሞ ፡ በቲ ዝክኣሎ ኩሉ ፡ ከብርሃለይ ይጋደል ነበረ ፡ ሓንቲ መዓልቲ ፡ ከብትና ክንርኢ ኢልና ናብ ሓደ በሪኽ ጎቦ ደይብና ከሎና ፡ ኣማዕድየ ናብ የማነ ጸጋም እንተ ጠመትኩ ፡ ቅድም ርእየዮ ዘይፈልጥ ፡ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ምድሪ ፡ ብዙሕ ዓድታትን እምባታትን ጎላጎልን ዝነበሮ ፡ ብኪንኡ ድማ ምስ ሰማይ ዝተራኸበ ዝመስል ኣዝዩ ዝነውሐ እምባታት ርኣኹ ፡ ኣቦየ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሰፊሕ ምድርስ ሃገርና ድዩ ? ኢለ ምስ ሓተትኩዎ ፡ ኣቦይ ብኢዱ ስሕብ ኣቢሉ ንዓ እዚ ወደይ ኢሉ ኣብጥቕኡ ኮፍ ኣበለኒ፤ሞ ፡ ከስተምህረኒ ጀመረ ፡

 እዚ እትርእዮ ዘሎኻን ፡ ኣማዕድኻ ክትርእዮ ዘይትኽእልን ፡ ኣዝዩ ዝሰፍሐን ዝጸበቐ መሬት ፡ ናይ ኣቦታትካ ሃገር እዩ ፡ ቅድሚ ኣቦታትካ ፡ ኣብሓጎታትካ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ይቕመጡ ነይሮም ፡ቅድሚ ኣብሓጎታትካ ፡ ኣቦታቶምን ኣብሓጎታቶምን ፡ ኣብዛ መሬት ርስቶም ዝኾነት ይቕመጡ ነይሮም ፡

ስለዚ እዛ ሃገር ሃገር ኣቦታትካ እያ ፡ ሃገር ኣቦታትካ ስለዝኾነት’ውን ሃገርካ እያ ፡ ኣብሓጎታትካ ኣብዚኣ ሃገር ተቐመጡ ፡ ኣብኣ ኮይኖም ክኣ ዓየዩ ፡ ተጋደሉ ፡ ምእንቲ ደቆም ምእንታናን ምእንታኹምን ክኣ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኣሕለፉ ፡ ኣብ’ዚኣ ሃገርዚኣ’ውን  ዓረፉ ወይክኣ ሞቱ ፡ እቲ ብዙሕ ዝተጋደለ ኣዕምጽምቶም ክኣ ኣብዛ ሃገር ዓሪፉ ኣሎ ወይ ተቐቢሩ ኣሎ ፡ መኽንያቱ ርስቶም ስለዝኾነት ፡

   ኣቦታትና ኣብዛ ሃገር ዘይዓየዩን ዘይተጋደሉን እንተዝኾኑ ፡ እዛ ሃገርና ሎሚ ምድረበዳ ኮይና ምተረኽበት ነይራ ፡ ንሳቶም በቲ ሓደን ሓቀኛን ኣምላኽ ኣሚኖም ፡ ብእምነቶም ጸኒዖም እንተዘይነብሮ ነይሮም ፡ ነደቆም እውን እዚ ሓቀኛ ሃይማኖትን እምነትን ( ፍቕርን ምትሕብባርን ምክብባርን ምትሕግጋዝን )   እንተዘይ ሓድግሎም ነይሮም ፡ ንሕና ሎሚ ብመንፈሳዊ ዑረትን ፡ ብኣረመንነትን ምነበርና ነይርና ፡ ንሳቶም ጥበብን ፍቕርን እንተዘየጽንሑልና ፡ ንሕና ከምብዙሓት ኣህዛባት ኣፍሪቃን ኣስያን ብኣረሜንነት ምነበርና ነይርና ፡ ( ንሱ ስለዝኾነ ምስጢሩ ውሑዳት ክንስና ብዙሓት ፡ ውሑዳት ክንስኻ ሓያላትን ደርማሳትን ኮይንና ዝወጻእናን ንቕጽል ዘሎናን )

   ንሳቶም ምስቲ ዓማጽን ገፋዕን ዝነበረ ወጻእተኛን ፡  ውሽጣውን ጸላኢ እናተዋግኡ ዘይትዓወቱ ነይሮም እንተዝኾኑ ፡ ንሕና ሎሚ ፍትሕን መሰልን ሓርነትን ክብርን ኣይምረኸብናን ፡ ነዛ ሃገር ከምዚ  ኣነን ንስኻን ነፍቅራ ዘሎና ፡ ንሳቶም ክኣ የፍቅርዋን ይስውኡላን ይጽዕሩላን ነበሩ ፡ ስለዚውን ትዕግስቶም ጸዓቶም ጅግንነቶም ሂወቶም ከይተረፈ ኣሕሊፎምላ እዮም ፡

እምብኣርከስ ንሕና ንኣቦታትና ከነማስወሎም ዝግብኣና እዩ ፡ ዝኽሮም ክኣ ቅዱስ ቅዱስን ክቡርን ኮይኑ ኣብ ውሽጥና ክነብር ይግባእ ‚ ንስኻ ንኣይ ነቦኻን ኣዴኻን ከም እተፍቅረና ፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እተቐመጡ ኣብሓጎታትካ ንኹሎም ከተፍቅሮም ይግብኣካ ፡ ከምዚ ምስእትገብር ኣብዛ ኣምላኽ ዝሃበና ሃገር ትነብር ማለት እዩ ፡ እዞም ገና ንሕና ብሂወት ንነብር ዘሎና ፡ ነቲ ክቡር ዝኽሮም ዝበቅዕ ኮይንና ንኽብሮም ክንነብር ይግብኣና ፡ ስምዒታትና ክገዝኣና የብሉን ፡ ስምዒታትና ክገዝኣና እንተጀሚሩ ፡ ኣንነት ስለዝስዕርር ፡ ፈትሊ ሓድነትና ይዝርዘርእሞ ፡ ሓይሊ ስለዘይንረክብ መፍቶ ጸላኢ ኮንና ፡ ንውርደትን መከራን ንቃላዕ ማለትዩ ፡ ስለዚ ነዛ ሃገር እዚኣ ንሳቶም ከምዝተኸላኸሉላን ዘኽበሩዋን ፡ ንሕናውን ክንከላኸለላን ከነኽብራን ግቡእና ስለዝኮነ ሕድሮም ንምትጋባሩ ክንከፍሎ ዝግብኣና ዕዳ እዩ ፤

  ነዚ ድማ ምእንትኦም ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ንገዛእ ርእስና ብናጽነት ክንነብር ፡ ምእንቲ ቀጻሊ ወሎዶና ዝመጹ ደቅና ደቂደቅናውን ፡ ብሓጎስን ተድላን ክነብሩ ፡ ናይ ዓወት ባይታ ከምዝሓለፉ ኣቦታትና ኣንጺፍና ክንጸንሕ ሓላፍነትና እዩ ፡ ካብኩሉ ክኣ ዓንዲ ማእከል ኮይኑ ንምንባርና ዝድርዕ ፍቕርን ሓድነት ስለዝኾነ ፡ ከምኣብሓጎታትና ዝለገሱላ ፍቕሪ ክንልግስን ፡ መዝነትና እዩ ፡ እዚ ተግባር ምስእንፍጽም ቀጻልነት ጥሙር ወለዶ ኣሎ ማለት እዩ ፡ ቀጻልነት ጥሙር ወለዶ ማለት ፡ ቀጻልነት ምዕቡል ባህለ ስለዝፈሪ ፡  ቀጻልነት ምዕቡል ባህሊ ክኣ ቀጻልነት ሕፉርን ክቡር ወለዶ የረጋግጽ 

ቀንዲ ውሕስነት ናይእዚ ንብሎ ዘሎና ግን ብናይ ሓባር ጻዕሪ ዝዕጸድ ምህርቲ እዩ ፡ እሞ ሃገርና ክንሃንጻ በየናይ መንገዲ ዝብል ኣርእስቲ ተቛጺርኩም ኣይበለና ፡ ኣብዝመጽእ ጽሑፈይ ናይሓባር መረዳእታ ክንህበሉ ይላቦ ፡ ነቐፌታን ምኣረምታን ካብ ኣምባቢ ምስዝህሉ ናይ ብሓቂ ዓቢ ኣስተምህሮ ምኾነኒ ፡
 

ዓወት ንሓፋሽ !

 መድሃኔ ተስፋኣለም ፡

Comments
Add NewSearchRSS
Only registered users can write comments!




Reddit!Del.icio.us!Google!Live!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Simpy!Newsvine!Furl!Blogmarks!Yahoo!Ma.gnolia!FeedMeLinks!
Last Updated ( Sunday, 23 September 2007 )
 
< Prev   Next >


>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo

 

Victory To The People of Somalia!

Biddo.com TV - President Isaias inspects progress of development projects in Gash Barka region

Glory to the Eritrean army of development!!
Powered by Asmarino5 (www.eastafro.com)

Meeting the Challenge - Biddho Tours through Europe

Advertising!


Advertising

For The Record

Ethiopia rejects the Eritrean imaginary claim of sovereign territory occupied by Ethiopia

Sponsored Links

Global News