| Tigrigna: Hager Abotatna |
|
|
| Written by Medhanie Tesfalem | |
| Sunday, 23 September 2007 | |
|
ሃገር ኣቦታትና ፡ ክቡር ኣምባቢ ንሎሚ ንካልኣይ ግዜ ካብ ኣስተምህሮ ናይ ኣቦና ሓርበኛ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ሒዘልካ የቐርብ ኣሎኹ ፡ ብጽሞና ትዕግስትኻ ወፊኻ ንዘአንግደካ ጽሑፍ ምንባብካን ትዕዝብትኻ ምልጋስካን እናአመስገንኩ ፡ እቲ ቀንዲ መኽንያት ፡ ብኸምዚ ሃብታምን ንእዱን ኣስተምህሮ ዝዓዘዘ ናይ ሓርበኛ ፡ ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ምርኩስ ምግባር ዝያዳ ስለዘገደሰንን ኣብቲ ናይ ሓባር ብድሆን ትግባሬኡን ንምባጻሕ ዝዓለመ ምዃነይ ድሮ እኳ ኣብዛ ካልኣይቲ እንግዶተይ ተረዲእካኒ ክትከውን ብዓል ምሉእ ተስፋ እየ ፡ እኒሆ በል ካብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ቁ.217 ዕለት 24/10/1946 ኣቅርበልካ ኣሎኹ’ሞ ሰናይ ሓባር ጉዕዞ፡ እግዝኣቢሔር ንመሬት ብኣትክልትን ብእንስሳን ብሰብን ከም ዝመልኣ ዘዘንቱ ቃላት ከንብብ ከለኹ ፡ በቲ ናይ ቆልዓ ኣእምሮይን ምህዞይን ፡ መሬት ካብቲ ኣማዕድየ ዝርእዮ ዝነበርኩ ፡ መጠን ደረት ትርኢተይ ዘይትሰፍሕ ፡ ኣትክልቲውን ካብ ወትርግ ዝርእዮን ዝሓስቦን ዝነበርኩ ፡ ዝተወልድኩላ ዓዲ ዝነበሩ ጎቦታት ፡ ካብኡ ዘይበዝሑ ፡ ንእንስሳታት ውን ብኸምኡ መጠን ዝነበረ ኣፍልጦይ ፡ምንባሩ’ዩ፡ ካብ ዝተወለድኩላ ዓዲ ዝዓብዩ ዓድታትን ቁሸታትን ከምዝነበሩ ዝግምግም ሓሳባት ኣእምሮይ ዘይበሰለን ብዛዕባ ቀላያትን ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ክዝረብ እንከሎ ገና ዝኾነ ይኹን ምህዞ ኣይነበረንን ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ደምቤና ዝዘነበ ዝናብ ምስቲ ናይ ቅርዓት ተጸንቢሩ ፡ ምስቲ ናይጎላጉልን ጎቦታትን ተሓዋዊሱ ከመይ ዝበለ ኣኼባ ናይ ማይ ከምዝገብር ከስተውዕሎ ኣይክኣለንን ነበረ ፡ ልቢ ክሶኩዕ ኣእምሮ ከስፍሕ ፡ ነቲ ዘሸግረኒ ዝነበረ ውሽጣዊ ጸገማትን ሕቶታትን ፡ ብዛዕብኡ ክዛረብ ክእለት ብዝረኸብኩ ግና ፡ ነቦይ ሕቶታት ደድሕሪ ሕቶታት ከዝንበሉ ጀመርኩ ፡ ንሱ ድማ ለባምን ሕያዋይን እዩ’ሞ ፡ በቲ ዝክኣሎ ኩሉ ፡ ከብርሃለይ ይጋደል ነበረ ፡ ሓንቲ መዓልቲ ፡ ከብትና ክንርኢ ኢልና ናብ ሓደ በሪኽ ጎቦ ደይብና ከሎና ፡ ኣማዕድየ ናብ የማነ ጸጋም እንተ ጠመትኩ ፡ ቅድም ርእየዮ ዘይፈልጥ ፡ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ምድሪ ፡ ብዙሕ ዓድታትን እምባታትን ጎላጎልን ዝነበሮ ፡ ብኪንኡ ድማ ምስ ሰማይ ዝተራኸበ ዝመስል ኣዝዩ ዝነውሐ እምባታት ርኣኹ ፡ ኣቦየ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሰፊሕ ምድርስ ሃገርና ድዩ ? ኢለ ምስ ሓተትኩዎ ፡ ኣቦይ ብኢዱ ስሕብ ኣቢሉ ንዓ እዚ ወደይ ኢሉ ኣብጥቕኡ ኮፍ ኣበለኒ፤ሞ ፡ ከስተምህረኒ ጀመረ ፡ እዚ እትርእዮ ዘሎኻን ፡ ኣማዕድኻ ክትርእዮ ዘይትኽእልን ፡ ኣዝዩ ዝሰፍሐን ዝጸበቐ መሬት ፡ ናይ ኣቦታትካ ሃገር እዩ ፡ ቅድሚ ኣቦታትካ ፡ ኣብሓጎታትካ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ይቕመጡ ነይሮም ፡ቅድሚ ኣብሓጎታትካ ፡ ኣቦታቶምን ኣብሓጎታቶምን ፡ ኣብዛ መሬት ርስቶም ዝኾነት ይቕመጡ ነይሮም ፡ ስለዚ እዛ ሃገር ሃገር ኣቦታትካ እያ ፡ ሃገር ኣቦታትካ ስለዝኾነት’ውን ሃገርካ እያ ፡ ኣብሓጎታትካ ኣብዚኣ ሃገር ተቐመጡ ፡ ኣብኣ ኮይኖም ክኣ ዓየዩ ፡ ተጋደሉ ፡ ምእንቲ ደቆም ምእንታናን ምእንታኹምን ክኣ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኣሕለፉ ፡ ኣብ’ዚኣ ሃገርዚኣ’ውን ዓረፉ ወይክኣ ሞቱ ፡ እቲ ብዙሕ ዝተጋደለ ኣዕምጽምቶም ክኣ ኣብዛ ሃገር ዓሪፉ ኣሎ ወይ ተቐቢሩ ኣሎ ፡ መኽንያቱ ርስቶም ስለዝኾነት ፡ ኣቦታትና ኣብዛ ሃገር ዘይዓየዩን ዘይተጋደሉን እንተዝኾኑ ፡ እዛ ሃገርና ሎሚ ምድረበዳ ኮይና ምተረኽበት ነይራ ፡ ንሳቶም በቲ ሓደን ሓቀኛን ኣምላኽ ኣሚኖም ፡ ብእምነቶም ጸኒዖም እንተዘይነብሮ ነይሮም ፡ ነደቆም እውን እዚ ሓቀኛ ሃይማኖትን እምነትን ( ፍቕርን ምትሕብባርን ምክብባርን ምትሕግጋዝን ) እንተዘይ ሓድግሎም ነይሮም ፡ ንሕና ሎሚ ብመንፈሳዊ ዑረትን ፡ ብኣረመንነትን ምነበርና ነይርና ፡ ንሳቶም ጥበብን ፍቕርን እንተዘየጽንሑልና ፡ ንሕና ከምብዙሓት ኣህዛባት ኣፍሪቃን ኣስያን ብኣረሜንነት ምነበርና ነይርና ፡ ( ንሱ ስለዝኾነ ምስጢሩ ውሑዳት ክንስና ብዙሓት ፡ ውሑዳት ክንስኻ ሓያላትን ደርማሳትን ኮይንና ዝወጻእናን ንቕጽል ዘሎናን ) ንሳቶም ምስቲ ዓማጽን ገፋዕን ዝነበረ ወጻእተኛን ፡ ውሽጣውን ጸላኢ እናተዋግኡ ዘይትዓወቱ ነይሮም እንተዝኾኑ ፡ ንሕና ሎሚ ፍትሕን መሰልን ሓርነትን ክብርን ኣይምረኸብናን ፡ ነዛ ሃገር ከምዚ ኣነን ንስኻን ነፍቅራ ዘሎና ፡ ንሳቶም ክኣ የፍቅርዋን ይስውኡላን ይጽዕሩላን ነበሩ ፡ ስለዚውን ትዕግስቶም ጸዓቶም ጅግንነቶም ሂወቶም ከይተረፈ ኣሕሊፎምላ እዮም ፡ “ እምብኣርከስ ንሕና ንኣቦታትና ከነማስወሎም ዝግብኣና እዩ ፡ ዝኽሮም ክኣ ቅዱስ ቅዱስን ክቡርን ኮይኑ ኣብ ውሽጥና ክነብር ይግባእ ‚ ንስኻ ንኣይ ነቦኻን ኣዴኻን ከም እተፍቅረና ፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እተቐመጡ ኣብሓጎታትካ ንኹሎም ከተፍቅሮም ይግብኣካ ፡ ከምዚ ምስእትገብር ኣብዛ ኣምላኽ ዝሃበና ሃገር ትነብር ማለት እዩ ፡ እዞም ገና ንሕና ብሂወት ንነብር ዘሎና ፡ ነቲ ክቡር ዝኽሮም ዝበቅዕ ኮይንና ንኽብሮም ክንነብር ይግብኣና ፡ ስምዒታትና ክገዝኣና የብሉን ፡ ስምዒታትና ክገዝኣና እንተጀሚሩ ፡ ኣንነት ስለዝስዕርር ፡ ፈትሊ ሓድነትና ይዝርዘርእሞ ፡ ሓይሊ ስለዘይንረክብ መፍቶ ጸላኢ ኮንና ፡ ንውርደትን መከራን ንቃላዕ ማለትዩ ፡ ስለዚ ነዛ ሃገር እዚኣ ንሳቶም ከምዝተኸላኸሉላን ዘኽበሩዋን ፡ ንሕናውን ክንከላኸለላን ከነኽብራን ግቡእና ስለዝኮነ ሕድሮም ንምትጋባሩ ክንከፍሎ ዝግብኣና ዕዳ እዩ ፤ ነዚ ድማ ምእንትኦም ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ንገዛእ ርእስና ብናጽነት ክንነብር ፡ ምእንቲ ቀጻሊ ወሎዶና ዝመጹ ደቅና ደቂደቅናውን ፡ ብሓጎስን ተድላን ክነብሩ ፡ ናይ ዓወት ባይታ ከምዝሓለፉ ኣቦታትና ኣንጺፍና ክንጸንሕ ሓላፍነትና እዩ ፡ ካብኩሉ ክኣ ዓንዲ ማእከል ኮይኑ ንምንባርና ዝድርዕ ፍቕርን ሓድነት ስለዝኾነ ፡ ከምኣብሓጎታትና ዝለገሱላ ፍቕሪ ክንልግስን ፡ መዝነትና እዩ ፡ እዚ ተግባር ምስእንፍጽም ቀጻልነት ጥሙር ወለዶ ኣሎ ማለት እዩ ፡ ቀጻልነት ጥሙር ወለዶ ማለት ፡ ቀጻልነት ምዕቡል ባህለ ስለዝፈሪ ፡ ቀጻልነት ምዕቡል ባህሊ ክኣ ቀጻልነት ሕፉርን ክቡር ወለዶ የረጋግጽ ፡
ቀንዲ ውሕስነት ናይእዚ ንብሎ ዘሎና ግን ብናይ ሓባር ጻዕሪ ዝዕጸድ ምህርቲ እዩ ፡ እሞ ሃገርና ክንሃንጻ በየናይ መንገዲ ዝብል ኣርእስቲ ተቛጺርኩም ኣይበለና ፡ ኣብዝመጽእ ጽሑፈይ ናይሓባር መረዳእታ ክንህበሉ ይላቦ ፡ ነቐፌታን ምኣረምታን ካብ ኣምባቢ ምስዝህሉ ናይ ብሓቂ ዓቢ ኣስተምህሮ ምኾነኒ ፡ ዓወት ንሓፋሽ !
መድሃኔ ተስፋኣለም ፡ |
|
| Last Updated ( Sunday, 23 September 2007 ) |
| < Prev | Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC
From `legal nonsense to `legal fiction.

With effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.