Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Sunday
Sep 07th
Home arrow News arrow Tigrigna: NowRam ataHasasba Bereket Habteselasie
Tigrigna: NowRam ataHasasba Bereket Habteselasie Print E-mail
Written by Nathnael Ezra   
Thursday, 04 October 2007

ነውራም ኣተሓሳስባ በረኸት ሃብተስላሰ

ንበረኸት ሃብተስላሰ ኣመልኪታ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝጸሓፈቶ ልቢ ዘረስርስ ጸሑፍ ምስ ኣንበብኩ ኣብ’ዛ ዓለም ተሰዊርካን ተሓቢእካን ወይ ከኣ ከም ነፋሒቶ ሕብርኻ እናቐያርካ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሃገርካን ኣነዋሪ በደላት ፈጺምካ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ክትሕባእ ከምዘይከኣል ዝነበረኒ መረዳእታ መሊሱ ደልዲሉ::

ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ናይ ቃልሲ ዓመታት ንኣካይዳ በረኸት ሃብተስላሰ  ብደቂቕ ዝተኸታተለ ነውራም ባህርያት ከምዝነበሮ ዘተሓታትት ኣይኮነን:: በረኸት ዝነገሰ ንጉሱ: ንሃጸይ ሃይለስላሰ: ንደርግ ሕጂ ከኣ ንወያነ ዝተጎናበሐ ከልቢ ውራይ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን:: ናይ ኣማን ዓንዶም መጸዋዕታ ስለዝተደርበሾ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲሙ ከም ልማዱ ሽመትን ዝናን ሃብትን እንተ ተኸናነብኩ ኢሉ ከም ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኮለል ዝብል ለማናይ: ኣብ ሰብዓታት ናብ ሰውራ ኤርትራ ቅልቅል ኢሉ “ድሓን’ዶ ቀኒኹም? ከመይ ቀኒኹም” ክብል ተሰምዐ::

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብደገ ኮይኑ ከገልግል ሓተተ’ሞ ኣብ ትካል ኤራ ተጸንበረ:: ኣይወዓለ ኣይሓደረ ኣብ’ታ ናይ ኤራ ትካል ገለ ገለ ሃገራውያን ከጸልም ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ስልጣን ቁርቅስ ብሰፊሑ ተተሓሓዞ:: ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ናይ መሸላ ዕድጊ ብዝፈጸሞ ምጥፍፋእ ፍዅስ ዝበለ ሓለንጊ ሰውራ ኣብ መንጎ ፋሕን ብሌቓትን ጥዒሙ ኢዩ:: ጌጋ ምፍጻምን ካብ ጌጋኻ ምእራምን ዝነበረ ባህሊ ናይ ሰውራ ምርኩስ ብምግባር ናይ ተሃድሶ እዋኑ ፈጺሙ ካልኣይ ዕድል ተዋሂብዎ ኢዩ:: እዛ ዝሓለፈት ፍጻሜ ብዛዕባ በረኸትን ኣተሓሳስብኡን ብዙህ ትዛረብ ኢያ:: በረኸት ካብ ኣፍ ደሞም ዘፍስሱ ዝነበሩ ተጋደልትን ብድርቂ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ህዝብን ክረብሕ ምፍታኑ ክንደየናይ ነውራምን ተኳንን ኣተሓሳስባ ከምዝነበሮ ምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን:: ኣመል ብመግነዝ ከምዝብሃል’ውን እዚ ነውራምን ተኳንን ኣተሓሳስባ ሕጂ’ውን ኣብ ሓንጎሉ ሳዕሪሩ ይጕዓዝ ኣሎ:: ካብ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ስርዓት ወያነን ነገራዊ ረብሓ ንምርካብ ናብ እምበይትኡ ከንደሊዛ ራይስ ሎምቅነ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ኣብ ጋብላ ናይ ሓተላ ይሕንብስ ምህላው ዘረድእ ካልእ ሰማይ ዝዓረገ ነውራም ተግባራቱ ኢዩ::

ኣብ 1995 ኣብ ኣስመራ ናይ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን ኮንፍረንስ በረኸት ተረኺቡ ኔሩ:: ዋላ’ኳ እቲ ኮንፍረንስ ብዓወት እንተተዛዘመ በረኸት ሃብተስላሰ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቁም ነገር ዝመልኦ መደረታት ኪዛረብ ሓተተ’ሞ ተፈቕደሉ:: በረኸት ካብ ኩርሲኡ ተንሲኡ ድራማቲካዊ ብዝኾነ ኣቀራርባ ክድብል ጀመረ:: ነቲ ኮንፍረንስ ዝመርሕ ዝነበረ ትሑት ሰብ ከኣ ክውድስ ጀመረ:: ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሚዑ ብዘይፍለጥ ቃላት “ናይ ፖለቲካ ማራዶና’ዶ ክብለካ….” ክውድስ ጀመረ: ኸደን ቀጸለን:: ኣማን ብኣማን ዋጣ’ኳ ከምኡ ኣይውድስን:: ኣብ ክንዲ በረኸት ኣኼበኛ ሓነኸ: ንዓቖ’ውን:: ዋላ’ኳ ናይ’ቲ መራሕ ኮንፈረንስ ብቕዓትን ብስለትን  ኣብ ቦትኡ እንተነበረ ውዳሰ ኣይባህልናን ኢዩ:: ስለዝኾነ ድሕሪ ኣኼባ ንበረኸት እንትርፎ “ኣታ እዚ ምሽቲ እንታይ ረኸቦ” ዝብል ብኣዎንታ ዘልዓሎ ኣይነበረን::  

ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም’ውን እንተኾነ ኣይተ በረኸት ዘሕፍር ነውራም ታሪኽ ኢዩ ገዲፉ:: ንትግባረ ቅዋም ብመንጽር ግዜ ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ትገባረ ቅዋም ብግዜ ገደብ ክግበረሉ የብሉን ኢሉ ተሪር ክትዕ ዘካየደ በረኸት ኔሩ:: ስለምታይ ድኣ ሕጂ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ዝፈታተኑሉ እዋን ቅዋም ይተግበር እናበለ ንመለስን ከንደሊዛን ከሐጉስ ዝፍትን? ውልቃዊ ረብሓ ድዩ ወይሲ ሃገራዊ ሓልዮት?

ካልእ ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም በረኸት ሃብተስላሰ ቃል ክሱስ ንምርካብ ክሳብ ምስቓይ (ቶርቸር) ምፍቃድ ቅቡል ክኸውን ይግባእ ኢሉ ዝተኻተዐ ግን ብሓፋሽ ዝተነጽገ ጉዳይ ምዃኑ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ ኢዩ::

በረኸት ሃብተስላሰ ንዝገብሮን ንዝዛረቦን ብውልቃዊ ረብሓ እምበር ብመትከልን ብቅኑዕ ሕሊናን ዓጂብዎ ኣይፈልጥን:: በረኸት ሓደ ካብ’ቶም ሃገር ዘፍረየቶም ነውራማትን ከዳዕን ኢዩ:: ክሳብ እታ ካልአይቲ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ትኣቱን ዕምሩ ትጽንቀቕን ነውራም ተግባራቱ ኣየቃርጽን’ዩ: ንምንታይ’ሲ ዘይፍወስ ህማም ስለዝኾነ:: ነውራም ኣተሓሳስባ ይብሉኹም እዚ ኢዩ:: ብስም ኤርትራዊ ብልቢ ወያነ በረኸት ሃብተስላሰ::

 

ናትናኤል እዝራ

ካናዳ

 

Comments
Add NewSearchRSS
Anonymous   | 96.231.103.xxx | 2008-01-06 10:45:52
who is going to write your next Constitution, hagos kisha the *game or the idiot wuchu may be the the well haswet Sophia........do not believe what u read on the web specially coming from enemies of ERITREA HGDEF. Ask a simple question ,have you ever heard the name Sophia before 3-4 years ago ,when your fellow Eritreans were dying(if you are real Eritrean),she was having fun ........
SIRAJ YASINA - moyt kum ekhum H G D D F.     | 69.209.103.xxx | 2008-01-12 23:43:53
kedikhum zeqh bibu hangolkum sebibu hilinakhum aribu icha mingistu arkibu
Only registered users can write comments!




Reddit!Del.icio.us!Google!Live!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Simpy!Newsvine!Furl!Blogmarks!Yahoo!Ma.gnolia!FeedMeLinks!
Last Updated ( Thursday, 04 October 2007 )
 
< Prev   Next >


>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo

 

 

Biddho.com - Mission Statement

Image

EXPIRED - WOYANE and UNMEE!!

The Algiers Agreement is explicit that the parties are bound to honor the Commission’s decisions

Image
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC


Ethiopia rejects "virtual" border with Eritrea

Image


Ethiopia - Meles Zenawi calls final and binding demarcation decision `legal fiction´!

Image

From `legal nonsense´ to `legal fiction´.


Who is the Blackmailer?

Image


Ban-Ki Moon: Messenger versus the Message

Image


ERITREA - ETHIOPIA: Security Council’s Moment of Truth

Image


Seven Years After Algiers

Image


DEMARCATION IS COMPLETE - TSZ EXPIRES

ImageWith effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.


STATEMENT ON UNMEE’S “RELOCATION” FROM ERITREA

Image

Permanent Mission of Eritrea to the United Nations


Eritrea - Statement on UNMEE's "Relocation"

Image


Eritrea - Ministry of Foreign Affairs


UNMEE - United Nations Misson for the Exploitation of Eritrea

Image


Ambassador John Bolton Blows UNMEE’s Transparent Cover

Image


UNMEE-Another Failed UN Peacekeeping Mission

Image


 

EEBC ruling of 2002 indisputable!!

Algiers Agreement of Eritrea and Ethiopia is implemented!! EEBC ruling of 2002 indisputable!! All the chapters in the process have now reached a legal conclusion! President Isaias Afwerki. VIVA ERITREA!

>> eGermenaLo translated: WE ARE SURPRICED!


>> FINAL AND BINDING - Eritrean Ethiopian Boundary Commissions MANDATE is FULFILLED
>> Seven Years After Algiers

Sponsored Links

Advertising

Google Ads