| Tigrigna: NowRam ataHasasba Bereket Habteselasie |
|
|
| Written by Nathnael Ezra | ||||||||||||||||||
| Thursday, 04 October 2007 | ||||||||||||||||||
|
ነውራም ኣተሓሳስባ በረኸት ሃብተስላሰ ንበረኸት ሃብተስላሰ ኣመልኪታ ሶፍያ ተስፋማርያም ዝጸሓፈቶ ልቢ ዘረስርስ ጸሑፍ ምስ ኣንበብኩ ኣብ’ዛ ዓለም ተሰዊርካን ተሓቢእካን ወይ ከኣ ከም ነፋሒቶ ሕብርኻ እናቐያርካ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሃገርካን ኣነዋሪ በደላት ፈጺምካ ካብ ዓይኒ ሓፋሽ ክትሕባእ ከምዘይከኣል ዝነበረኒ መረዳእታ መሊሱ ደልዲሉ:: ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ናይ ቃልሲ ዓመታት ንኣካይዳ በረኸት ሃብተስላሰ ብደቂቕ ዝተኸታተለ ነውራም ባህርያት ከምዝነበሮ ዘተሓታትት ኣይኮነን:: በረኸት ዝነገሰ ንጉሱ: ንሃጸይ ሃይለስላሰ: ንደርግ ሕጂ ከኣ ንወያነ ዝተጎናበሐ ከልቢ ውራይ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን:: ናይ ኣማን ዓንዶም መጸዋዕታ ስለዝተደርበሾ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲሙ ከም ልማዱ ሽመትን ዝናን ሃብትን እንተ ተኸናነብኩ ኢሉ ከም ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኮለል ዝብል ለማናይ: ኣብ ሰብዓታት ናብ ሰውራ ኤርትራ ቅልቅል ኢሉ “ድሓን’ዶ ቀኒኹም? ከመይ ቀኒኹም” ክብል ተሰምዐ:: ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብደገ ኮይኑ ከገልግል ሓተተ’ሞ ኣብ ትካል ኤራ ተጸንበረ:: ኣይወዓለ ኣይሓደረ ኣብ’ታ ናይ ኤራ ትካል ገለ ገለ ሃገራውያን ከጸልም ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ስልጣን ቁርቅስ ብሰፊሑ ተተሓሓዞ:: ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ናይ መሸላ ዕድጊ ብዝፈጸሞ ምጥፍፋእ ፍዅስ ዝበለ ሓለንጊ ሰውራ ኣብ መንጎ ፋሕን ብሌቓትን ጥዒሙ ኢዩ:: ጌጋ ምፍጻምን ካብ ጌጋኻ ምእራምን ዝነበረ ባህሊ ናይ ሰውራ ምርኩስ ብምግባር ናይ ተሃድሶ እዋኑ ፈጺሙ ካልኣይ ዕድል ተዋሂብዎ ኢዩ:: እዛ ዝሓለፈት ፍጻሜ ብዛዕባ በረኸትን ኣተሓሳስብኡን ብዙህ ትዛረብ ኢያ:: በረኸት ካብ ኣፍ ደሞም ዘፍስሱ ዝነበሩ ተጋደልትን ብድርቂ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ህዝብን ክረብሕ ምፍታኑ ክንደየናይ ነውራምን ተኳንን ኣተሓሳስባ ከምዝነበሮ ምግማቱ ዘሸግር ኣይኮነን:: ኣመል ብመግነዝ ከምዝብሃል’ውን እዚ ነውራምን ተኳንን ኣተሓሳስባ ሕጂ’ውን ኣብ ሓንጎሉ ሳዕሪሩ ይጕዓዝ ኣሎ:: ካብ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ስርዓት ወያነን ነገራዊ ረብሓ ንምርካብ ናብ እምበይትኡ ከንደሊዛ ራይስ ሎምቅነ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ኣብ ጋብላ ናይ ሓተላ ይሕንብስ ምህላው ዘረድእ ካልእ ሰማይ ዝዓረገ ነውራም ተግባራቱ ኢዩ:: ኣብ 1995 ኣብ ኣስመራ ናይ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን ኮንፍረንስ በረኸት ተረኺቡ ኔሩ:: ዋላ’ኳ እቲ ኮንፍረንስ ብዓወት እንተተዛዘመ በረኸት ሃብተስላሰ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቁም ነገር ዝመልኦ መደረታት ኪዛረብ ሓተተ’ሞ ተፈቕደሉ:: በረኸት ካብ ኩርሲኡ ተንሲኡ ድራማቲካዊ ብዝኾነ ኣቀራርባ ክድብል ጀመረ:: ነቲ ኮንፍረንስ ዝመርሕ ዝነበረ ትሑት ሰብ ከኣ ክውድስ ጀመረ:: ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሚዑ ብዘይፍለጥ ቃላት “ናይ ፖለቲካ ማራዶና’ዶ ክብለካ….” ክውድስ ጀመረ: ኸደን ቀጸለን:: ኣማን ብኣማን ዋጣ’ኳ ከምኡ ኣይውድስን:: ኣብ ክንዲ በረኸት ኣኼበኛ ሓነኸ: ንዓቖ’ውን:: ዋላ’ኳ ናይ’ቲ መራሕ ኮንፈረንስ ብቕዓትን ብስለትን ኣብ ቦትኡ እንተነበረ ውዳሰ ኣይባህልናን ኢዩ:: ስለዝኾነ ድሕሪ ኣኼባ ንበረኸት እንትርፎ “ኣታ እዚ ምሽቲ እንታይ ረኸቦ” ዝብል ብኣዎንታ ዘልዓሎ ኣይነበረን:: ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም’ውን እንተኾነ ኣይተ በረኸት ዘሕፍር ነውራም ታሪኽ ኢዩ ገዲፉ:: ንትግባረ ቅዋም ብመንጽር ግዜ ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ትገባረ ቅዋም ብግዜ ገደብ ክግበረሉ የብሉን ኢሉ ተሪር ክትዕ ዘካየደ በረኸት ኔሩ:: ስለምታይ ድኣ ሕጂ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ሃገራዊ ድሕነትና ኣብ ዝፈታተኑሉ እዋን ቅዋም ይተግበር እናበለ ንመለስን ከንደሊዛን ከሐጉስ ዝፍትን? ውልቃዊ ረብሓ ድዩ ወይሲ ሃገራዊ ሓልዮት? ካልእ ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም በረኸት ሃብተስላሰ ቃል ክሱስ ንምርካብ ክሳብ ምስቓይ (ቶርቸር) ምፍቃድ ቅቡል ክኸውን ይግባእ ኢሉ ዝተኻተዐ ግን ብሓፋሽ ዝተነጽገ ጉዳይ ምዃኑ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ ኢዩ:: በረኸት ሃብተስላሰ ንዝገብሮን ንዝዛረቦን ብውልቃዊ ረብሓ እምበር ብመትከልን ብቅኑዕ ሕሊናን ዓጂብዎ ኣይፈልጥን:: በረኸት ሓደ ካብ’ቶም ሃገር ዘፍረየቶም ነውራማትን ከዳዕን ኢዩ:: ክሳብ እታ ካልአይቲ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ትኣቱን ዕምሩ ትጽንቀቕን ነውራም ተግባራቱ ኣየቃርጽን’ዩ: ንምንታይ’ሲ ዘይፍወስ ህማም ስለዝኾነ:: ነውራም ኣተሓሳስባ ይብሉኹም እዚ ኢዩ:: ብስም ኤርትራዊ ብልቢ ወያነ በረኸት ሃብተስላሰ::
ናትናኤል እዝራ ካናዳ
Only registered users can write comments! |
||||||||||||||||||
| Last Updated ( Thursday, 04 October 2007 ) | ||||||||||||||||||
| < Prev | Next > |
|---|
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC
From `legal nonsense to `legal fiction.

With effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.