Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Sunday
Oct 12th
Home arrow News arrow Tigrigna: msTiR Awetna?
Tigrigna: msTiR Awetna? Print E-mail
Written by Medhanie Tesfalem   
Thursday, 04 October 2007

ምስጢር ዓወትና?

 ሓደ ሰውራዊ ውድብ ወይ ግምባር ፡ ዕላምኡ ክወቅዕን ኣብ ናይ መወዳእታ ሾትኡ ክበጽሕን ሰረ-ተሓሳቡን መርሓኡን ብግቡእ ከንጸባርቕ ይግባእ ፡ መትከላዊ ዕላማታቱ ንጹርን  መርሒነቱ ቅኑዕን ምስዝኸውን ድማእዩ ምዕቡል ጉዕዞ ዝኸይድን ዓወታት ዝሓፍስን ፡ ምግላጽን ምንጽብራቕን መትከላዊ ዕላማ ክኣ እዩ ፡ ነቲ ቃልሲ ብዝሰፍሐን ዝዓሞቐን መንገዲ ተሳታፍነት ሓፋሽን ዘዕብዮ ፡

ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ከብጽሓና ዝኽኣለ ምስጢርን ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ክንዕቅብን ፡ ቁጠባዊ ሓርነት ክንድልብ ፡ ሞኒተር ኮይኑ ምኣዝንና ከይስሓትና ፡ ኣብነት ናይ ኣፍሪቃን ስሉስ ዓለምን ክንከውን ዘኽኣለነና ፡ ቀንዲ ሕመረት መንፈሳዊ ቃልስና ፡ኣእዕሚቓ እተብርህ ኣብግዜ ቃልሲ ትዝመር ዝነበረት እስከ ሓቢርና ንርኣያ እሞ ክሳብክንደይ ርውየት ከምዝስምዓናን ፡ ኣበይ ከምዘለናን ከመይከምዘለናን ነብስና ክንግምግም ንኽእል ፡

    ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ፡ ማዕረማዕረ’ቲ ፡ ግብራዊ ርእየት ተሞኩሮ ፡ ንመርሒነት እቲ ቃልስን ፡ ግምባርን ዘጉልሑ ዝምስክሩን መዛሙርን ደርፍታትን ድራማታትን ቀሪቦም እዮም ፡ < ውድብና ትብል መዝሙር > ሓንቲ ካብአን ብማእከላይ ክፍሊ ባህሊ እተዘመረት እንተ ኣቕረብና እዚ በጸሒናዮ ዘሎና መድረኽ መንገዱ ዝያዳ ከተብርሃልና ትኽእል ፡

ውድብና  

 

  ገጽና በሪሁ

  ድምቀት ወሲኹ

  ኣብኩሉ ኩርንዓት ምድርና

  ፊተ-መሪሕ ኮይና ውድብና

 

  ፍትሒ ነጊሱ

  ዓዃይ ሓሪሱ

  ህዝባዊ ስልጣናት ለምሊሙ

  ልዕልና ተባዕታይ ኣክቲሙ

 

  ውድብና ህዝባዊት ውድብና

  ውድብና ዓንዲ ተጋድሎና

  ውድብና ዋልታ ኤርትራና

  ንሳ እያ ሓንትን ወካሊትን ጉዳይና

 

  እነና ንቃልሲ በቒዕና

  እነና ኣብጎነጽ በሊሕና

  እነና ሴፍና መሊሕና

  እነና ተቢዕና ንክብሪ ንውፈ መሪሕና

 

  ንቕሓት ዓጢቕና

  ሓቅነት ጨቢጥና

  ናይ ዓለም ሓያላት ገጢምና

  ሜዳና መሰረት ጽንዓትና

 

  ድሕረት ክንቀብር

  ጥሜት ክንሰግር

  ሕማማት ክፍወስ ጽዒትና

  ከብቅዕ ዘመን ድንቁርና

 

  ሃገርና ክህነጽ ፍራሳ

  ሃገርና ጸጋ ክሕፈሳ

  ሃገርና ዕብየት ክወርሳ

 እቲ ፋሕተርተርና ርእሰ-ምክኣል’ዩ እምነትና

 

  ውድብና ንዘይዘርግ ሰላም

  ውድብና ንዘይነቅጽ ለምለም

  ውድብና ንዘይጠፍእ ብርሃን

  ትቃለስ ክሳብ ሃገር ትሕደስ

   ኣቱም ሰባት ፡ ሓቂ ከም ምቁር ኣልማዝ ናብ ኩሉ ኩርንዓት እያ እትበርህ ፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ንየማን ንጸጋም ፡  ብማዕረ ትደምቕ ፡ ከፊላዊ ሓቂ ግን ምሉእ ኣይኮነን ፡ ንኹሉ ምኣዝናት ድማ ኣይውክልን እዩ ፡ ውድብና ግን ኩሉ እያ ፡ ፊተ-መሪሕ እያ ፡ ቅኑዕነት ምዕሩይነት መርሓ ብንጋስ ንፍትሒ ኣንጊሳ ፡ ንጁጅ መጁጅ ቀቢራ ፡ ድልየት ሓፋሽ  ብነቕ ዘይብል ዱልዱል ዝሰረቱ ኣደራሽ ናጽነት ነዲቓ ፡ ንንቕሓት ኣቐዲማ ፡ ንግብራውነት ከምኣብነት ንቐደም ንባዕላ ከምገንሸል ሞባእ ትውፈ ፡ ስለዝኾነ ናይብሓቂ ዕድለኛታት ኢና ፡

  ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ፡ ብተኽሊ እዩ ተመሲሉ ፡ ምልምላም ድሕሪ ምትካልን ምጽዳቕን እዩ ዝስዕብ ፡ መሬት ዝተቐበሎ ተኽሊ ድማእዩ ዝለምዕ ፡ ውድብና ህ.ግ ክኣ በቲ ቅኑዕ መትከላታ ፡ ንነብሳ በጃ ፡ ንህዝባ ስለተቐድምን ፡ ኣብኩሉ ኩርንዓት ጠጢዓ ለምሊማ ፡ እቲ ዓዃይ ሓሪሱ ዝብል ነቲ ኣርእሰተነገር ዝያዳ ዘህጥር ኣገላልጻን ፡ ልዕልና ወዲተባዕታይ ኣኸቲሙ ፡ ምስ ዝብል ነግሒ ወሲኽካ ክኣ ዝያዳ ኣብፖለቲካዊ ሸነኽ ኣተኩሩ ፡ መስፍናውን ኣባታውን ጭኮና ኣብቂዑ ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ከምዝነገሰ እዩ ዘጉልሕ ፡ ልዕልና ወዲተባዕታይ ብጎነጽ ዘይኮነ ብንቕሓት እዩ ዝውገድን ዝስዓርን ፡ ስለዝኾነ ድማ ፡ ንቕሓት ብቕኑዕን ክዉንን መርሓ ሓንሳብ እንተድኣ ተተግቢሩ ፡ እቲ ዘይነጽፍ ዕጥቂ እዩ ፡ እዚ ዕጥቂ’ዚ ፡ ዕጥቂ ሓቂ ፡ ዕጥቂ ተስፋ ፡ ዕጥቂ ጽንዓት እዩ ፡ ሓፋሽ ምስ ነቕሐ ይውደብ ፡ ይቃለስ ክኣ ፡ ቃልሱ ብግብሪ ኣብ ሜዳ ይምስከር ፡ እቲ ኩሉ ግዜ ጸላእትና ምስ ርእሰ ሓያላን እናተመሻጠራን እናኸደማን ፡ ንስዕረተንን ዕርበተንን እንተዘይኮይኑ ትሓሊለን ክዳረጋና ዘይክኣላ ፡ ምስጢራዊ ሓይልና እምባአር እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እዩ ካልእ መሎኮታዊ ሓይሊ ዝደረብናዮ የሎን ፡ ሓይልና ሓይሊ ውዱብ ህዝብን ፡ ንቑሕን ውፉይ መርሒነትን እዩ  ተወፋይነትን ጽንዓትን ብንቕሓት ስለዝጥረ ፡ ተጠርዩ ግብራውነቱ ዘመስከረ ሓቂ እዩ ፡

   ውድብና ክኣ ነዚ ንምብራህ እያ ሽጋ ወሊዓ ፡ ፋና ብርሃና ንዘንተዕለት እናበርሀን ብርሃን እናዓደለን ዝነብር ዘሎ ፡ ስልጣነ ብንቕሓት እዩ ዝጥረ ፡ ደርቅን ጥሜትን ብስራሕ እዩ ዝስዓር ጸላእትና እውን ኣብዚ ሞቕሕ ሓድነትና ኣትዮም እዮመ ዝጥሓኑ ፡ ዓዃይ ምስሓረሰ ፡ ድሕረት ድማ ስልጣኔታት ምስለምለመ’ዩ ዝጠፍእ ፡ ጻዕሪ መደያይቦ ናብቲ ክትበጽሖ እትሓልሞ’ዩ ፡ መሰጋገሪ ድንድል ፡ ብጻዕርን መንፈስ ስራሕን ወኒ ግስጋሰን መመሊሱ ዝድንፍዕ ፡ ናብ ነጥቢ-መቐይሮ ዘብጽሕ ፍኖት ፡ ደርማስ ሓይሊ እዩ ፡

 ንቕሓት ንቐድሚት ዝመርሕ ሓይሊ ቀስቲ’ዩ ፡ ቀስቲ ብርሃን ፡ ብርሃን ኣብ ኩርንዓት ልምዓት ፡ ፍልጠት ፡ ማዕርነት ፡ ወዘተ… ፡ ንቑሕ ኣእምሮ ንስራሕ ድልዊ እዩ ፡ ነቲ ብጎነጽ ዝፈረሰ ይሃንጽ ፡ ዝተነቕለ ይትከል ፡ ዝወደቐ የልዕል ፡ ባህርያዊ ጸጋታቱ ይፍትሽ ፡ ንረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ድማ ምህርቱ የውዕል ፡ ንምዕባለ ድማ ይግስግስ ፡ ናይ ዘመንና ጎይቶት ዓውላማ እዚ ዓይነት ኣትሓሳስባ ፡ ወይ በዚ ንቑሕ ኣትሓሳስባ ንነብሱ ዝውጅህ ህዝቢ ኣይፈትውኦን አየን ፡ ከምታርጌት ቀዳምነት ዝሰርዕኦን ፡ ወረገይ ንክበታትንኦን ከጥፍእኦን ተንኮላት ክፍሕሳ  ከይደቀሳ እየን ዝሓድራ ፡ ንሓሳበን ዘተግብሩ ፡ ሕልንኦም ዝሸጡን ብዋጋ ደቂሰባት ክነብሩ ዝደልዩን ከደምትን ናይከደምቲ ከደምትን ኣይስእኑን እዮም ፡ ኤርትራና ግዳይ ናይእዞም ኣበሳ  ለምናን ማሕጎዳ ሕሰምን ምዃና ፡ ዝገርመና ኣይኮነን ፡ እቲምንታይሲ ብዝኣጎድዎን ዘሳውርዎን ሓዊ ከምወርቂ ተፈቲንና ሃጢርና ዝዋጻእና ህዝቢ ስለዝኾንና እቲሕመረቱን ምስጢሩን ግን ፡ ካብ ቀንዲ ዓይኑ ዝዛሪ እዩ ፡ ንሳ ክኣ ውድብና እያ ፡ ውድብና ህ.ግ ፡ መኽንያቱ ፡ ሃገር ብዝተማልአን ዝተማእከለን መንገዲ ክትጉዓዝ ቅኑዕ መሪሕ ስለዘድልያ ፡ ውድብና ድማ በዚ ንቑሕ ጉዕዞ ፡ ትቕልስ ፡ < እቲ ቅድም ካብ በረኻ ንከተማታት ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ትቃለስ ዝነበረት እሞ ዝትዓወተትሉ ፡ ሕጂውን ፡ መቓምጦ ሶፋ ከይብሃገት ንህንጸት ሃገር ካብ ከተማታት ብበረኻታት ሃገርና ቁጠባዊ ሰራሕ ምጅማራ ዝኣተወቶ መብጽዓ ንኸይትጠልም እዩ ፡ ናይ ርሑቕ ዕላማታትን መድረኻትን ሃገርና እንሆ በርሃው ኢሉ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ ፡ ፡ እቲምንታይሲ ዕብየት ካብተጸባይነትን ምጥዋርን ተላቒቕካ ነብስኻ ብእትኽእለሉ መንገዲ ጉዕዞኻ ምግስጋስ’ዩ ፡ እቲ ቅኑዕ እምነት ክገብር’የ እኽእል’የ ኢሉ ኣብስራሕ ዝጸምድ  ብቕዓትን ክኢላዊ ዓቕሚ  ናይ  ዜጋታት ኣማዕቢልካ ፡ንሃገር ርእሳ ዘኽእላ ዋሕስ ምህናጽ ስለዝኾነ ጻዕርና  

  ዘሕለምልም ብርሃን ንመድረኽ ብግቡእ ኣየንጸባርቖን ፡ ዕላማ ውድብና ንንጽሁን ዘይብለልን ሰላም’ዩ ፡ ምሉእ ሰላም ፡ ነባሪ ሰላም ፡ ሰላም ሓንሳብ ተወሊዳ ዘይትመውት ፡ ሰላም ዘይትቐጥንን ዘይተሕለምልምን  ናይ ብሓቂ ብሂወት እትነብር ሰላም ፡  ሰላም ብእትፈጥሮ ጉዕዞ ዳግመ ህንጻን ልምዓትን ፡  ምክልኻል ሃገርን ወትሩ ዘየቋርጽ ለምለም ጠሊ ፡ 

  ግዝያዊ ልምዓት ግዝየዊ መድረኽ እዩ ዝውንን ፡ ናይዘልኣለም ጠሊ ግን ብንቕሓት እዩ ዝትከል ፡ ስለዚ ፍኖተ ወድብና ሓንሳብ በሪሁ ዘይጠፍእ ፡ ብኣእዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተባዕጠ ፡ ብድርብ ኪዳን ንህላወን ንህንጸትን መኸተ ዝጨበጠ ውድብ እዩ እናበለት ፡ እዛ መዝሙር ምስጢራውነት ውድብናን ዓወትናን ትገልጾን ፡ ዓወትና ናይግድን ምዃኑ እተብርሆን ፡

 መድሃኔ ተስፋኣለም 

   ዓወት ንሓፋሽ !

Comments
Add NewSearchRSS
Anonymous   | 84.176.218.xxx | 2007-12-21 18:55:20
[b][/b]
Only registered users can write comments!




Reddit!Del.icio.us!Google!Live!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Simpy!Newsvine!Furl!Blogmarks!Yahoo!Ma.gnolia!FeedMeLinks!
Last Updated ( Thursday, 04 October 2007 )
 
< Prev   Next >


>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo

 

President Isaias conducts inspection tour of infrastructure and agricultural programs in Southern region

President Isaias conducts inspection tour of infrastructure and agricultural programs in Southern region

For The Record

Ethiopia rejects the Eritrean imaginary claim of sovereign territory occupied by Ethiopia

United States causes or lengthens crises worldwide

STATEMENT BY HIS EXCELLENCY MR. OSMAN SALEH
MINISTER OF FOREIGN AFFAIRS OF THE STATE OF ERITREA
AT THE GENERAL DEBATE OF THE 63rd SESSION OF THE UNITED NATIONS GENERAL ASSEMBLY NEW YORK, 29 SEPTEMBER 2008 Osman Mohammed Saleh, Minister for Foreign Affairs of Eritrea: Report of Speech at the UN General Assembly
Osman Mohammed Saleh, Minister for Foreign Affairs of Eritrea: Report of Speech at the UN General Assembly

German Finance Minister says US will no longer be the financial Superpower

Bailout talks stall as Bush meets with Congressional leaders and Presidential candidates. German Finance Minister says US will no longer be the financial Superpower. French President Sarkozy says the days when "the all powerful market is always right are over". The Real News Network spoke to economist and historian Dr. Michael Hudson who says that it's not a "bailout" but a "giveaway" and will create a new kleptocracy of billionaires.

Watch Video:

Advertising

Submit Your Protest Letters to Biddho.com

Focus - Canada Rectify your Mistake!!

Sponsored Links

Advertising!


Shaebia 2008 - No Force Can Trample the Choice of the People

Shaebia 2008 - No Force Can Trample the Choice of the People!!
Shaebia 2008 - No Force Can Trample the Choice of the People!!

Freedom!

Freedom!

War - No thank you!!
Support Warsay Yekaalo

Canada Rectify your Mistake!

Focus - Canada Rectify your Mistake!!

Biddho.com TV - Eritrea’s Export Oriented Banana and Tomato Processing Factory

Glory to the Eritrean army of development!!
Powered by Asmarino5 (www.eastafro.com)

Biddho.com TV - Sawa 21st Round Military Graduation Ceremony

Glory to the Eritrean army of development!!
Powered by Asmarino5 (www.eastafro.com)

EXPIRED - WOYANE and UNMEE!!

The Algiers Agreement is explicit that the parties are bound to honor the Commission’s decisions

Image
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC


Ethiopia rejects "virtual" border with Eritrea

Image


Ethiopia - Meles Zenawi calls final and binding demarcation decision `legal fiction´!

Image

From `legal nonsense´ to `legal fiction´.


Who is the Blackmailer?

Image


Ban-Ki Moon: Messenger versus the Message

Image


ERITREA - ETHIOPIA: Security Council’s Moment of Truth

Image


Seven Years After Algiers

Image


DEMARCATION IS COMPLETE - TSZ EXPIRES

ImageWith effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.


STATEMENT ON UNMEE’S “RELOCATION” FROM ERITREA

Image

Permanent Mission of Eritrea to the United Nations


Eritrea - Statement on UNMEE's "Relocation"

Image


Eritrea - Ministry of Foreign Affairs


UNMEE - United Nations Misson for the Exploitation of Eritrea

Image


Ambassador John Bolton Blows UNMEE’s Transparent Cover

Image


UNMEE-Another Failed UN Peacekeeping Mission

Image


 

EEBC ruling of 2002 indisputable!!

Algiers Agreement of Eritrea and Ethiopia is implemented!! EEBC ruling of 2002 indisputable!! All the chapters in the process have now reached a legal conclusion! President Isaias Afwerki. VIVA ERITREA!

>> eGermenaLo translated: WE ARE SURPRICED!


>> FINAL AND BINDING - Eritrean Ethiopian Boundary Commissions MANDATE is FULFILLED
>> Seven Years After Algiers

Google Ads