Tigrigna
Tigrigna: msTiR Awetna? | Tigrigna: msTiR Awetna? |
|
|
| Written by Medhanie Tesfalem | |||
| Thursday, 04 October 2007 | |||
|
ምስጢር ዓወትና? ሓደ ሰውራዊ ውድብ ወይ ግምባር ፡ ዕላምኡ ክወቅዕን ኣብ ናይ መወዳእታ ሾትኡ ክበጽሕን ሰረ-ተሓሳቡን መርሓኡን ብግቡእ ከንጸባርቕ ይግባእ ፡ መትከላዊ ዕላማታቱ ንጹርን መርሒነቱ ቅኑዕን ምስዝኸውን ድማእዩ ምዕቡል ጉዕዞ ዝኸይድን ዓወታት ዝሓፍስን ፡ ምግላጽን ምንጽብራቕን መትከላዊ ዕላማ ክኣ እዩ ፡ ነቲ ቃልሲ ብዝሰፍሐን ዝዓሞቐን መንገዲ ተሳታፍነት ሓፋሽን ዘዕብዮ ፡ ኣብ ሃገራዊ ናጽነት ከብጽሓና ዝኽኣለ ምስጢርን ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ክንዕቅብን ፡ ቁጠባዊ ሓርነት ክንድልብ ፡ ሞኒተር ኮይኑ ምኣዝንና ከይስሓትና ፡ ኣብነት ናይ ኣፍሪቃን ስሉስ ዓለምን ክንከውን ዘኽኣለነና ፡ ቀንዲ ሕመረት መንፈሳዊ ቃልስና ፡ኣእዕሚቓ እተብርህ ኣብግዜ ቃልሲ ትዝመር ዝነበረት እስከ ሓቢርና ንርኣያ እሞ ክሳብክንደይ ርውየት ከምዝስምዓናን ፡ ኣበይ ከምዘለናን ከመይከምዘለናን ነብስና ክንግምግም ንኽእል ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ፡ ማዕረማዕረ’ቲ ፡ ግብራዊ ርእየት ተሞኩሮ ፡ ንመርሒነት እቲ ቃልስን ፡ ግምባርን ዘጉልሑ ዝምስክሩን መዛሙርን ደርፍታትን ድራማታትን ቀሪቦም እዮም ፡ < ውድብና ትብል መዝሙር > ሓንቲ ካብአን ብማእከላይ ክፍሊ ባህሊ እተዘመረት እንተ ኣቕረብና እዚ በጸሒናዮ ዘሎና መድረኽ መንገዱ ዝያዳ ከተብርሃልና ትኽእል ፡ ውድብና
ኣቱም ሰባት ፡ ሓቂ ከም ምቁር ኣልማዝ ናብ ኩሉ ኩርንዓት እያ እትበርህ ፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ንየማን ንጸጋም ፡ ብማዕረ ትደምቕ ፡ ከፊላዊ ሓቂ ግን ምሉእ ኣይኮነን ፡ ንኹሉ ምኣዝናት ድማ ኣይውክልን እዩ ፡ ውድብና ግን ኩሉ እያ ፡ ፊተ-መሪሕ እያ ፡ ቅኑዕነት ምዕሩይነት መርሓ ብንጋስ ንፍትሒ ኣንጊሳ ፡ ንጁጅ መጁጅ ቀቢራ ፡ ድልየት ሓፋሽ ብነቕ ዘይብል ዱልዱል ዝሰረቱ ኣደራሽ ናጽነት ነዲቓ ፡ ንንቕሓት ኣቐዲማ ፡ ንግብራውነት ከምኣብነት ንቐደም ንባዕላ ከምገንሸል ሞባእ ትውፈ ፡ ስለዝኾነ ናይብሓቂ ዕድለኛታት ኢና ፡ ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ፡ ብተኽሊ እዩ ተመሲሉ ፡ ምልምላም ድሕሪ ምትካልን ምጽዳቕን እዩ ዝስዕብ ፡ መሬት ዝተቐበሎ ተኽሊ ድማእዩ ዝለምዕ ፡ ውድብና ህ.ግ ክኣ በቲ ቅኑዕ መትከላታ ፡ ንነብሳ በጃ ፡ ንህዝባ ስለተቐድምን ፡ ኣብኩሉ ኩርንዓት ጠጢዓ ለምሊማ ፡ እቲ ዓዃይ ሓሪሱ ዝብል ነቲ ኣርእሰተነገር ዝያዳ ዘህጥር ኣገላልጻን ፡ ልዕልና ወዲተባዕታይ ኣኸቲሙ ፡ ምስ ዝብል ነግሒ ወሲኽካ ክኣ ዝያዳ ኣብፖለቲካዊ ሸነኽ ኣተኩሩ ፡ መስፍናውን ኣባታውን ጭኮና ኣብቂዑ ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ከምዝነገሰ እዩ ዘጉልሕ ፡ ልዕልና ወዲተባዕታይ ብጎነጽ ዘይኮነ ብንቕሓት እዩ ዝውገድን ዝስዓርን ፡ ስለዝኾነ ድማ ፡ ንቕሓት ብቕኑዕን ክዉንን መርሓ ሓንሳብ እንተድኣ ተተግቢሩ ፡ እቲ ዘይነጽፍ ዕጥቂ እዩ ፡ እዚ ዕጥቂ’ዚ ፡ ዕጥቂ ሓቂ ፡ ዕጥቂ ተስፋ ፡ ዕጥቂ ጽንዓት እዩ ፡ ሓፋሽ ምስ ነቕሐ ይውደብ ፡ ይቃለስ ክኣ ፡ ቃልሱ ብግብሪ ኣብ ሜዳ ይምስከር ፡ እቲ ኩሉ ግዜ ጸላእትና ምስ ርእሰ ሓያላን እናተመሻጠራን እናኸደማን ፡ ንስዕረተንን ዕርበተንን እንተዘይኮይኑ ትሓሊለን ክዳረጋና ዘይክኣላ ፡ ምስጢራዊ ሓይልና እምባአር እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እዩ ካልእ መሎኮታዊ ሓይሊ ዝደረብናዮ የሎን ፡ ሓይልና ሓይሊ ውዱብ ህዝብን ፡ ንቑሕን ውፉይ መርሒነትን እዩ ተወፋይነትን ጽንዓትን ብንቕሓት ስለዝጥረ ፡ ተጠርዩ ግብራውነቱ ዘመስከረ ሓቂ እዩ ፡ ውድብና ክኣ ነዚ ንምብራህ እያ ሽጋ ወሊዓ ፡ ፋና ብርሃና ንዘንተዕለት እናበርሀን ብርሃን እናዓደለን ዝነብር ዘሎ ፡ ስልጣነ ብንቕሓት እዩ ዝጥረ ፡ ደርቅን ጥሜትን ብስራሕ እዩ ዝስዓር ጸላእትና እውን ኣብዚ ሞቕሕ ሓድነትና ኣትዮም እዮመ ዝጥሓኑ ፡ ዓዃይ ምስሓረሰ ፡ ድሕረት ድማ ስልጣኔታት ምስለምለመ’ዩ ዝጠፍእ ፡ ጻዕሪ መደያይቦ ናብቲ ክትበጽሖ እትሓልሞ’ዩ ፡ መሰጋገሪ ድንድል ፡ ብጻዕርን መንፈስ ስራሕን ወኒ ግስጋሰን መመሊሱ ዝድንፍዕ ፡ ናብ ነጥቢ-መቐይሮ ዘብጽሕ ፍኖት ፡ ደርማስ ሓይሊ እዩ ፡ ንቕሓት ንቐድሚት ዝመርሕ ሓይሊ ቀስቲ’ዩ ፡ ቀስቲ ብርሃን ፡ ብርሃን ኣብ ኩርንዓት ልምዓት ፡ ፍልጠት ፡ ማዕርነት ፡ ወዘተ… ፡ ንቑሕ ኣእምሮ ንስራሕ ድልዊ እዩ ፡ ነቲ ብጎነጽ ዝፈረሰ ይሃንጽ ፡ ዝተነቕለ ይትከል ፡ ዝወደቐ የልዕል ፡ ባህርያዊ ጸጋታቱ ይፍትሽ ፡ ንረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ድማ ምህርቱ የውዕል ፡ ንምዕባለ ድማ ይግስግስ ፡ ናይ ዘመንና ጎይቶት ዓውላማ እዚ ዓይነት ኣትሓሳስባ ፡ ወይ በዚ ንቑሕ ኣትሓሳስባ ንነብሱ ዝውጅህ ህዝቢ ኣይፈትውኦን አየን ፡ ከምታርጌት ቀዳምነት ዝሰርዕኦን ፡ ወረገይ ንክበታትንኦን ከጥፍእኦን ተንኮላት ክፍሕሳ ከይደቀሳ እየን ዝሓድራ ፡ ንሓሳበን ዘተግብሩ ፡ ሕልንኦም ዝሸጡን ብዋጋ ደቂሰባት ክነብሩ ዝደልዩን ከደምትን ናይከደምቲ ከደምትን ኣይስእኑን እዮም ፡ ኤርትራና ግዳይ ናይእዞም ኣበሳ ለምናን ማሕጎዳ ሕሰምን ምዃና ፡ ዝገርመና ኣይኮነን ፡ እቲምንታይሲ ብዝኣጎድዎን ዘሳውርዎን ሓዊ ከምወርቂ ተፈቲንና ሃጢርና ዝዋጻእና ህዝቢ ስለዝኾንና እቲሕመረቱን ምስጢሩን ግን ፡ ካብ ቀንዲ ዓይኑ ዝዛሪ እዩ ፡ ንሳ ክኣ ውድብና እያ ፡ ውድብና ህ.ግ ፡ መኽንያቱ ፡ ሃገር ብዝተማልአን ዝተማእከለን መንገዲ ክትጉዓዝ ቅኑዕ መሪሕ ስለዘድልያ ፡ ውድብና ድማ በዚ ንቑሕ ጉዕዞ ፡ ትቕልስ ፡ < እቲ ቅድም ካብ በረኻ ንከተማታት ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ትቃለስ ዝነበረት እሞ ዝትዓወተትሉ ፡ ሕጂውን ፡ መቓምጦ ሶፋ ከይብሃገት ንህንጸት ሃገር ካብ ከተማታት ብበረኻታት ሃገርና ቁጠባዊ ሰራሕ ምጅማራ ዝኣተወቶ መብጽዓ ንኸይትጠልም እዩ ፡ ናይ ርሑቕ ዕላማታትን መድረኻትን ሃገርና እንሆ በርሃው ኢሉ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ ፡ ፡ እቲምንታይሲ ዕብየት ካብተጸባይነትን ምጥዋርን ተላቒቕካ ነብስኻ ብእትኽእለሉ መንገዲ ጉዕዞኻ ምግስጋስ’ዩ ፡ እቲ ቅኑዕ እምነት ክገብር’የ እኽእል’የ ኢሉ ኣብስራሕ ዝጸምድ ብቕዓትን ክኢላዊ ዓቕሚ ናይ ዜጋታት ኣማዕቢልካ ፡ንሃገር ርእሳ ዘኽእላ ዋሕስ ምህናጽ ስለዝኾነ ጻዕርና ፡ ዘሕለምልም ብርሃን ንመድረኽ ብግቡእ ኣየንጸባርቖን ፡ ዕላማ ውድብና ንንጽሁን ዘይብለልን ሰላም’ዩ ፡ ምሉእ ሰላም ፡ ነባሪ ሰላም ፡ ሰላም ሓንሳብ ተወሊዳ ዘይትመውት ፡ ሰላም ዘይትቐጥንን ዘይተሕለምልምን ናይ ብሓቂ ብሂወት እትነብር ሰላም ፡ ሰላም ብእትፈጥሮ ጉዕዞ ዳግመ ህንጻን ልምዓትን ፡ ምክልኻል ሃገርን ወትሩ ዘየቋርጽ ለምለም ጠሊ ፡ ግዝያዊ ልምዓት ግዝየዊ መድረኽ እዩ ዝውንን ፡ ናይዘልኣለም ጠሊ ግን ብንቕሓት እዩ ዝትከል ፡ ስለዚ ፍኖተ ወድብና ሓንሳብ በሪሁ ዘይጠፍእ ፡ ብኣእዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተባዕጠ ፡ ብድርብ ኪዳን ንህላወን ንህንጸትን መኸተ ዝጨበጠ ውድብ እዩ እናበለት ፡ እዛ መዝሙር ምስጢራውነት ውድብናን ዓወትናን ትገልጾን ፡ ዓወትና ናይግድን ምዃኑ እተብርሆን ፡ መድሃኔ ተስፋኣለም ፡ ዓወት ንሓፋሽ ! |
|||
| Last Updated ( Thursday, 04 October 2007 ) | |||
| < Prev | Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
| Africa NewsHomeNewsHeadlinesHzbawi MeketeTigrignaMagazinAudio&VideoNews Feeds HORNASearchContact UsGallery |