| Tigrigna: Minister Gudayat Wetsa i Ertra nErtrawyan ab New York kebabian Seminar akaydu |
|
|
|
| Written by Administrator | |
| Friday, 05 October 2007 | |
|
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ ትማሊ ሰንበት 30 መስከረም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያምን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም ወያነ ብደገፍ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መስርሕ ህንጸት ሃገራዊ ቁጠባን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ትካላዊ ኣሰራርሓን፣ ተራ ህዝቢ ኣብ ምምካት ተጻብኦታትን ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግሊጺ ኣቕሪቡ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብኣተኵሮ ካብ ዝገለጾም ነጥብታት፡ ኤርትራ መስርሕ ምምልካት ዶብ ብውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ገጢማ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኮሚሽን ዶብ ዝቐረበ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ብምቕባላ፡ ወያነን ደገፍቶም ዳግማይ ኣብ ዓቢ ሕጋውን ሞራላውን ወጥሪ ከምዝኣተዉ ብምግላጽ፡ እቲ መስርሕ ብዘይካ ብምምልካት ዶብ ካልእ መፍትሒ ከምዘይብሉ ብምስማር፡ ኣመሪካ፡ ረብሓታታ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽሳብ፡ ከደምቲ ብምውፋር ተአንግዶ ዘላ ዘይፍትሓውን ኣተሓሕዛ ጉዳያት ብስሙር ቃልሲ ተመኪቱ፡ ምርግጋጽ ህላዌና ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሑስ ኣከባቢ ንምፍጣርን ውሳኔታትና ንምኽባርን ንቃለስ ስለዘሎና፡ ሕጂ’ውን ክብረት ህዝቢን ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ምክልኻልን ምርግጋጽን ዘይውንዘፍ እዋናዊ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት፡ ኤርትራ ኣብ ሶማልን ሱዳንን ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ትጻወቶ ዘላ ወሳኒ ተራ፡ ብዙሓት ሃገራት ርዒመንኦን ደጊፈንኦን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ እቲ ዝካየድ ጻዕሪ ኣብ ዞባና ነባሪ ሰላም ብምምጻእ ንረብሓ ኤርትራን ዞባና ዘቕስን ኩነታት ንምፍጣር ዕዉት ስረሓት ኣብ ርእሲ ምስልሳል፡ ኤርትራ ካብ ዝተጻወደላ ከባባ ወጺኣ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኤሽያን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ብምስላጥ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባ፣ ወፍርን፣ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዘተኵረ ዝምድናታት ኣብ ምምዕባል ሓያለ ሰጕማ ምህላዋ ገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መደባት ቁጠባዊ ልምዓት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብቐዳምነት ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፡ ትሕተ ቕርጺ፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ ዓሳን፣ ቱሪዝምን እንዳማዕበልካ፡ ኣብ ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕሚን ምምዕባል ትካላዊ ኣሰራርሓን ብምምርኳስ፡ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ብዕቱብ ተታሒዙ ብቕቡል ናህሪ ይስጕም ብምህላዉ፡ ነዚ ዘሎ ግዝያዊ ጸገም ተጻዊርካ፡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ርሁው ቁጠባዊ ኩነታት ምፍጣር፡ ክጭበጥን ክግሃድን ዝኽእል ዓወት ምዃኑ ብሰፊሑ ብምትንታን፡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ምእንቲ ልኡላውነትን ክብረትን ሃገሮም ከም ወትሩ ሰሚሮም ክምክቱ ዝሕግዞም ማዕዳ ኣቕሪቡ። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ከኣ ብሰፊሑ መሊሱ። ኣኼበኛታት ብሸነኾም፡ እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓዊ ዝርያ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ዝተሞኵረሉ ተርእዮ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብስሙር ቅልጽም ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ጉዳይ ሃገሮም ደው ኢሎም ክምክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምግላጽ፡ “እቲ ግዜ፡ ግዜ መኸተን ምሕላው ሃገራዊ ክብረትን’ምበር፡ ኣብ ካልኣዊ ደቀቕቲ ጉዳያት ተጸሚድና ግዜና ነባኽነሉ እዋን ስለዘይኮነ፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ማእዝና ሓሊና ብሞራል፣ ብንዋት፣ ብፍልጠትን፡ ፍትሓዊ ጉዳይና ንምዕዋት፡ ብጽንዓት ክንቃለስ ኢና፡” ዝብሉ ርእይቶታት ዘጠቓለለ፡ ሓርበኛነት ዝመልኦ ውዕዉዕ ሓሳባት ኣቕሪቦም። ጥቅምቲ 01, 2007 In Pictures
|
|
| Last Updated ( Friday, 05 October 2007 ) |
| < Prev | Next > |
|---|
