Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Tuesday
Oct 07th
Home arrow Tigrigna arrow Tigrigna: Minister Gudayat Wetsa i Ertra nErtrawyan ab New York kebabian Seminar akaydu
Tigrigna: Minister Gudayat Wetsa i Ertra nErtrawyan ab New York kebabian Seminar akaydu Print E-mail
Written by Administrator   
Friday, 05 October 2007

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ

ትማሊ ሰንበት 30 መስከረም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያምን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም ወያነ ብደገፍ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መስርሕ ህንጸት ሃገራዊ ቁጠባን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ትካላዊ ኣሰራርሓን፣ ተራ ህዝቢ ኣብ ምምካት ተጻብኦታትን ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግሊጺ ኣቕሪቡ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብኣተኵሮ ካብ ዝገለጾም ነጥብታት፡ ኤርትራ መስርሕ ምምልካት ዶብ ብውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ገጢማ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኮሚሽን ዶብ ዝቐረበ ነጥብታት ምሉእ ብምሉእ ብምቕባላ፡ ወያነን ደገፍቶም ዳግማይ ኣብ ዓቢ ሕጋውን ሞራላውን ወጥሪ ከምዝኣተዉ ብምግላጽ፡ እቲ መስርሕ ብዘይካ ብምምልካት ዶብ ካልእ መፍትሒ ከምዘይብሉ ብምስማር፡ ኣመሪካ፡ ረብሓታታ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ንምኽሳብ፡ ከደምቲ ብምውፋር ተአንግዶ ዘላ ዘይፍትሓውን ኣተሓሕዛ ጉዳያት ብስሙር ቃልሲ ተመኪቱ፡ ምርግጋጽ ህላዌና ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሑስ ኣከባቢ ንምፍጣርን ውሳኔታትና ንምኽባርን ንቃለስ ስለዘሎና፡ ሕጂ’ውን ክብረት ህዝቢን ሃገራዊ ድሕነትን ኤርትራ ምክልኻልን ምርግጋጽን ዘይውንዘፍ እዋናዊ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ኣነጺሩ።

ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት፡ ኤርትራ ኣብ ሶማልን ሱዳንን ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ትጻወቶ ዘላ ወሳኒ ተራ፡ ብዙሓት ሃገራት ርዒመንኦን ደጊፈንኦን ከምዘለዋ ብምሕባር፡ እቲ ዝካየድ ጻዕሪ ኣብ ዞባና ነባሪ ሰላም ብምምጻእ ንረብሓ ኤርትራን ዞባና ዘቕስን ኩነታት ንምፍጣር ዕዉት ስረሓት ኣብ ርእሲ ምስልሳል፡ ኤርትራ ካብ ዝተጻወደላ ከባባ ወጺኣ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኤሽያን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ብምስላጥ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባ፣ ወፍርን፣ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዘተኵረ ዝምድናታት ኣብ ምምዕባል ሓያለ ሰጕማ ምህላዋ ገሊጹ።

ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መደባት ቁጠባዊ ልምዓት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብቐዳምነት ተሰሪዑ ዘሎ መደብ፡ ትሕተ ቕርጺ፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ ዓሳን፣ ቱሪዝምን እንዳማዕበልካ፡ ኣብ ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕሚን ምምዕባል ትካላዊ ኣሰራርሓን ብምምርኳስ፡ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ብዕቱብ ተታሒዙ ብቕቡል ናህሪ ይስጕም ብምህላዉ፡ ነዚ ዘሎ ግዝያዊ ጸገም ተጻዊርካ፡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ርሁው ቁጠባዊ ኩነታት ምፍጣር፡ ክጭበጥን ክግሃድን ዝኽእል ዓወት ምዃኑ ብሰፊሑ ብምትንታን፡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ምእንቲ ልኡላውነትን ክብረትን ሃገሮም ከም ወትሩ ሰሚሮም ክምክቱ ዝሕግዞም ማዕዳ ኣቕሪቡ። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ከኣ ብሰፊሑ መሊሱ።

ኣኼበኛታት ብሸነኾም፡ እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ዘይፍትሓዊ ዝርያ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ዝተሞኵረሉ ተርእዮ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ብስሙር ቅልጽም ኣብ ጎድኒ ፍትሓዊ ጉዳይ ሃገሮም ደው ኢሎም ክምክቱ ቅሩባት ምዃኖም ብምግላጽ፡ “እቲ ግዜ፡ ግዜ መኸተን ምሕላው ሃገራዊ ክብረትን’ምበር፡ ኣብ ካልኣዊ ደቀቕቲ ጉዳያት ተጸሚድና ግዜና ነባኽነሉ እዋን ስለዘይኮነ፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ማእዝና ሓሊና ብሞራል፣ ብንዋት፣ ብፍልጠትን፡ ፍትሓዊ ጉዳይና ንምዕዋት፡ ብጽንዓት ክንቃለስ ኢና፡” ዝብሉ ርእይቶታት ዘጠቓለለ፡ ሓርበኛነት ዝመልኦ ውዕዉዕ ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ጥቅምቲ 01, 2007

 In Pictures
 

 

 

Comments
Add NewSearchRSS
Only registered users can write comments!




Reddit!Del.icio.us!Google!Live!Facebook!Slashdot!Netscape!Technorati!StumbleUpon!Simpy!Newsvine!Furl!Blogmarks!Yahoo!Ma.gnolia!FeedMeLinks!
Last Updated ( Friday, 05 October 2007 )
 
< Prev   Next >


>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo

 

Advertising

Submit Your Protest Letters to Biddho.com

Focus - Canada Rectify your Mistake!!

Sponsored Links

More from this Section

ሕድሪ ሰማእታትና ንሕና’ምበር መንደኣ’ሞ ክስከሞ!

ኣብዛ ዓመጽትን ጓዕጸጽትን ዝበዝሕዋ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣበሶ ዘይብሉ ክውረርን...

Ametawi Akeba Abalat HGDEF Chenfer Debub German

ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ ን/ጨንፈር...

Shiyutat, Drama kedaAt!

ጥቅምቲ 31 2007 ሓደ ጭፍራ ዕሱባት ወያነ ኣብ...

Tigrigna: msTiR Awetna?

ምስጢር ዓወትና?  ሓደ ሰውራዊ ውድብ ወይ...

Tigrigna: NowRam ataHasasba Bereket Habteselasie

ነውራም ኣተሓሳስባ በረኸት ሃብተስላሰ ...

Tigrigna: Hager Abotatna

ሃገር ኣቦታትና ፡   ክቡር ኣምባቢ ንሎሚ...

Tigrigna: Hager

ቁንጣሮ ካብቲ ብረኩት ፡ ጥቕሲ ናይ...

Tigrigna: nebAt HaRgeZ

ንብዓት ሓርገጽ!!   ዕለት 22.09.2007 ኣብ ከተማ...

Tigrigna: mBLaeKa zLemedes kRjeeKa yemBahQu

ምብላዕካ ዝለመደስ ክርእየካ የምብሃቑ...

Canada Rectify your Mistake!

Focus - Canada Rectify your Mistake!!

EXPIRED - WOYANE and UNMEE!!

The Algiers Agreement is explicit that the parties are bound to honor the Commissions decisions

Image
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC


Ethiopia rejects "virtual" border with Eritrea

Image


Ethiopia - Meles Zenawi calls final and binding demarcation decision `legal fiction!

Image

From `legal nonsense to `legal fiction.


Who is the Blackmailer?

Image


Ban-Ki Moon: Messenger versus the Message

Image


ERITREA - ETHIOPIA: Security Councils Moment of Truth

Image


Seven Years After Algiers

Image


DEMARCATION IS COMPLETE - TSZ EXPIRES

ImageWith effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.


STATEMENT ON UNMEES RELOCATION FROM ERITREA

Image

Permanent Mission of Eritrea to the United Nations


Eritrea - Statement on UNMEE's "Relocation"

Image


Eritrea - Ministry of Foreign Affairs


UNMEE - United Nations Misson for the Exploitation of Eritrea

Image


Ambassador John Bolton Blows UNMEE’s Transparent Cover

Image


UNMEE-Another Failed UN Peacekeeping Mission

Image


 

EEBC ruling of 2002 indisputable!!

Algiers Agreement of Eritrea and Ethiopia is implemented!! EEBC ruling of 2002 indisputable!! All the chapters in the process have now reached a legal conclusion! President Isaias Afwerki. VIVA ERITREA!

>> eGermenaLo translated: WE ARE SURPRICED!


>> FINAL AND BINDING - Eritrean Ethiopian Boundary Commissions MANDATE is FULFILLED
>> Seven Years After Algiers

Google Ads