| Hzbawi Mekete Stuttgart (Germany) |
|
|
| Written by Administrator | |
| Monday, 08 October 2007 | |
Over 500 Eritreans gathered together in Stuttgart to vow their commitment for Eritrean Unity and Sovereignty. Eritreans publicly stated their opinions and brought together a statement in support of Eritrean Government´s Peace Initiatives in Horn of Africa, in Support of Eritrean National Defence Policy and National Development Activities. Following is a report in tigrigna.
ህዝባዊ መኸተ ሽቱትጋርት ጀርመን >> Download Hzbawi Mekete Report as PDF Document ብዕለት 07: ጥቅምቲ 2007 ኣብ ትሕቲ „ሕጂ’ውን መኸተ ንሃገራዊ ድሕነትን“ „ፍትሒ ጽንዓት’ያ ትወልድ“ ዝብል ቴማ ውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ተኻይዱ። ነታ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ልዑላውነትን ብሉጻት ደቃ ዘወፈየት ሕድሪ ስዉኣት ደቃ ተኸቢሩ ፍትሕን ብልጽግናን ንምምጻእን ኣብ ከባቢኣ ሰላምን ቅሳነትን ንምስፋንን ትቓለስ ዘላ ሃገር፡ ኣብ ክንዲ ሞጎሰን ክብርን፤ ብጉልባብ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ፡ ምምሕዳር ኣመሪካን ከደምቶም ስርዓት ወያኔን ገለ ውሑዳት ናይ ከደምቲ ከደምቲ ዝኾኑ ከድዓት ኤሪትራውያንን ሓድነታ በታቲኖም ከድምዩዋን ከምበርክኹዋን የጕባዕብዑ ስለ ዘለዉ፡ ብሓባር ንልዑላውነት ሃገርን ክብርን ናይ መኸተ ድምጹ ከስምዕ ውዒሉ። ኣብ’ዚ ካብ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ልዕሊ 500 ኤሪትራውያን ዝተሳተፍዎ፡ ኣርባዕተ ጹሑፋዊ ወረቐትን መደረን ቀሪቡ። ዶ/ር ኣማኒኤል ትኩእ፡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ጽልዋን ሃጸይነት ኣመሪካ ኣብ ዓለምናን ከባቢናን፤ በዓል ሞያ ርክብን ስነዳን ዮሃንስ ርእሶም፡ ትንታነ ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ግብረ ሽበራ፤ በዓል ሞያ ኮምፒተር ፕሮግርም ግርማይ ስዩም፡ ብዛዕባ ምዕቃብ ልዑላውነትን ፖለቲካዊ ሓርነትን፡ ከምኡውን ኢንጂነር ዮሃንስ መብራህቱ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ቃልስን ሰላምን ፍትሕን፡ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ሓተታ ኣቕሪቦም። ስዒቡ ህዝቢ ርእይቶኡ፡ ብግሉጽን ብሓያል ሃገራዊ ወኒ፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ልዑላውነት ሃገሩ ከም ቢለን ዓይኑ ክሕልዉን ሰማዕታት ዝገደፍሉ ሓደራ ከኽብር ምዃኑ ቃል ድሕሪ ምእታው፡ ንዝኾነ እንተታት በብዝመጾ ነቒሑ ክምክቶ ቅሩብነቱ ዳግም ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ’ውን ካብ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን፡ ሃ.ማ.ደ.ኤ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ማሕበረ-ሰባትን ውልቀሰባትን ዝተላእከ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ተነቢቡ። ስዒቡ’ውን ካብ ተሳተፍቲ-መኸተ፡ ኤሪትራዊ ጽንዓትን ጅግንነቱን ናይ ዓወት ታሪኹን ዝገልጹን ዘመጉሱን ግጥምታትን ሓተታታትን ቀሪቦም። ህዝባዊ መኽተ ብጠለብ ህዝቢን ብምውህሃድ፡ ማሕበረኮም፡ ሃ.ማ.ደ.ኤ፡ ጕጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ተዳልዩ። እዚ ህዝባዊ መኸተ ውዕውዕን ጽቡቕ ሃገራዊ መንፈስ ዝዓሰሎ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ሓባር ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።
ውሳነታት ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ከተማ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን o መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመንገዲ ወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ ዝተጓናጸፎ ቁጠባዊ ዕብየት እንዳ ዘከርና፡ ንኹሉ መሰናኽላትን ሽርሓታትን ሰጊራ ሃገርና ነብሳ ክኢላ ቍጠባዊን ፓለቲካውን ሓርነት ኽትጓናጸፍ ዘሰላስሎ ቃልሲ ነመጉስ። o መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሶማልን ሱዳንን ከኣ ብፍላይ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ትጻወቶ ዘላ ወሳኒ ተራ፡ ሽግር ኣፍሪቃውያን ብኣፍሪቃውያን ክፍታሕ ከምዝኽእል ብግብሪ ዘረጋገጸ ብርቂ ኣብነት ሓበንና ብምግላጽ ሓገዝ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንኸይፍለያ ነማሕጽን። o ፍትሒ ካብ ጽንዓትን መኸተን ጥራይ ከም ትውሓስ ብምርዳእ! ...ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ዝካየድ ጻዕሪ ግዜ ዝወስድን መሪርን ከም ዝኾነ ብምግምጋም! …ክብርትን ሕብንትን ሃገር ንኽንውንን፡ ነዊሕን ከቢድን መስዋእቲ ከም ዘድሊ ብምርዳእ! ግዚኡ ግዜ መኸተን ምሕላው ሃገራዊ ክብርን ስለ ዝኾነ ከም ወትሩ ማኣዝና ወዲብና ብሞራል፣ ብንዋት፣ ብፍልጠትን፡ ፍትሓዊ ጉዳይና ንምዕዋት፡ ኣብ ጉድኒ ህዝብናን መንግስትናን ብዘይ ቅድም ኩነት ንልዑላውነት ሃገርና ብጽንዓት ደው ክንብል ኢና።
o ምስጢር ዓወትና ሓድንትናዩ! ሓድነትና ክበታትኑ ዝፍትኑን ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እናተዋፈሩ ነዛ ብደም ስዉኣትና ዝመጸት ሃገር ዳግም ኣብ መቝሕ መግዛእቲ ንምእታው ዝሕልኑን ዘለዉ ሃሱሳትን ከዳዓትን ግብረሽበራውያንን ኣትሪርና ንኹንን። o ልዑላውነት ሃገርና ንምሕላውን ንምርግጋጽን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውሰድ ዘሎ ግብራዊ ስጉምቲ ሙሉእ ደገፍና ነረጋግጽ። o መንግስትና ዝኽተሎ ዘሎ ዓቓልን ውሕሉልን ዲፖሎስያሚ ኣተሓሕዛ ምምልካት ዶብ ኤርትራ እንዳደገፋና ምትዕንቓፍ መስርሕ ምምልካት ዶብ ብጭፍር ወያነ ብደገፍ መንግስቲ ኣመሪካ ንኹንን። o ንመግስትን ህዝብን ንምፍልላይ፡ ብፍላይ ኣብ ደገ ንዘለና፡ ዝገበር ዘሎ ሽርሕታትን ተጸብኦታትን ዛጊት ከም ዝሓለፈ ውዲታት ነቂሕናሉ ስለ ዘሎና ከም ዝፈሽል ንተኣማመን ኢና። ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና ዓወት ንሓፋሽ ሽቱትጋርት፡ 07 ጥቅምቲ 2007 >> Download Hzbawi Mekete Report as PDF Document In Pictures:
|