| Shiyutat, Drama kedaAt! |
|
|
|
| Written by Administrator | |
| Saturday, 17 November 2007 | |
ጥቅምቲ 31 2007 ሓደ ጭፍራ ዕሱባት ወያነ ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ብስም “ሰላማዊ ሰልፊ” ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ጫው ጫው ክብሉ ክትሪኦም መልኣከ ሞት ዝሰረሮም ኣጋንንቲ ይመስሉ ኔሮም:: እዚ ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ተኣካኺበ ዝበለ ጭፍራ ብቑጽሪ ሓደ ሚእቲ ዘይበጽሕ ኮይኑ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጉጅለታት ዘጠቓለለ ኔሩ::እቲ ቀዳማይ ጉጅለ ውጹኣት ለለን ዕባያት ኣስመራን ተጋሩ ዝሓቖፈ ኮይኑ ካብ’ቶም ሽዩጣት ኤርትራውያን ንላዕሊ ጐረርኦም ክሳብ ዝጭደድ ዝጭድሩ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ ነቶም ሽዩጣት ኤርትራውያን ዝመለኹን ዝዓብለሉን ኮይኑ ይርኣየካ:: ካልኣይ ነቶም ልሙዳት ሽዩጣት ኤርትራውያን ትርፍራፍ ናይ ኣብ 1982 ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝሃደሙን ካልኦት ኣብ ጸቢብ ትሕተ-ሃገራዊ ሕማም ኰራርምቶም ዘሐርቅሙን ድሑራት ዘጠቓለለ ጉጅለ ኮይኑ ብናይ ሕልና ስቅያት ሽልብ ግልብ ዝብሉ: ገጾም ዝዓጠረን ከሰል ዝተኸድኑን ኔሮም:: መብዛሕትኦም ገጾም ንኸይርአ ድሕሪ ዝተሰከምዎ ታቤላ ይሕብኡ ብምንባሮም ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕልናኦም ዘሳቕዮም ዝነበረ ኵነታት ኣጕሊሑ የርኢ ነበረ:: “ንኤርትራ ኣብ ናይ ግብረ-ሽበራ ዝርዝር ንምእታው ስለምንታይ ብጋህዲ ኣብ ታቤላታት ወጺኡ? ህዘቢ ኤርትራ ደጊም ክፍንፍነና ኢዩ” እናበሉ ነንሕድሕዶም መሪር ቋይቂ ይስማዕ ከምዝነበረ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ገለኦም’ውን ብሓባር ዘይተሰማምዑሉ ጸረ-ህዝቢ ታቤላታት ብምርኣዮም መሳርሒ ናይ ገለ ሓይልታት ኮይኑ ዝተሰምዖም ኣይተሳእኑን። ብዙሓት ድሕሪ ሕጂ ምስ’ዞም ውጹኣት ዕሱባት ወያነ ኣኺሉና ኢሎም ዝመሓሉን ዝጠሓሉን’ውን ኔሮም ኢዮም። እቲ ሳልሳይ ጉጅለ ቪዛ ንምርካብ ታቤላ ሒዞም ንክፍሊ ኢሚግረሽን ስእሊ ክሰኣሉ ሃነፍነፍ ዝብሉ ዝነበሩ መንእሰያት ኔሮም:: እዞም መንእሰያት ኣብ’ቲ ናይ ጫው ጫው ቦታ ብጋህዲ ወረቐት ክገዝኡን ክዋገዩን ተራእዮም ኢዮም:: ገለ’ውን ኣብ ቲቪ ኤሬ ከይሳዕረረ ዝብል ፕሮግራም ሞተሬታት ሰሪቖም ዝናስሑ ዝነበሩ ተረኺቦም ኔሮም። ካብ’ቲ ጭፍራ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝነበሮ እዚ ሳልሳይ ጉጅለ ኢዩ:: ምስ’ዚ ጭፍራ ከዳዓት ሓደ ጻዕዳ ኣመሪካዊ ካሜራ ሒዙ ምንቅስቓሳቶም ይከታተልን የሕሸዅሹኽን ኔሩ::
ቀንዲ ተልእኾ ናይ’ቲ ምትእኽኻብ ንጀንዳይ ፍሬዘር ንምሕጓስን ንምምስጋንን ንኤርትራ ኣብ’ቲ ናይ ኣሸበርቲ ስርዒት ንምእታው ደንጒኹም ኢልካ ንወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ስምዕታ ንምቕራብን ኔሩ::
እዚ ሰልፊ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዓበይቲ ሓለፍቲ ናይ’ዞም ወይጦታት ዘካይድዎ ዝነበረ ጐስጓስ ኔሩ። ፈለማ ጳውሎስ ተስፋገርግሽ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቱ ኣመልኪቱ ንጠቕላሊ ሚኒስተር ዓሌታዊ ስርዓት ወያነ እናወደሰን ንልምዓታዊ “ዕብየት” ኢትዮጵያ እናሞገሰን ክጽሕፍ ተዓሲቡ:: ጳውሎስ ሎም ኮነ ሓምለ ኮነ ‘ምበር ቀደም’ሲ ኣብ ዝኾነ ዘረብኡ ንትግራዎት ክንዲ ገላዕታ በለስ’ኳ ዋጋ ዝህቦም ኣይነበረን። ሕጂ ከምሰፍኢ ግምጥል ኢሉ ምስ ተጋሩ ዘይተኣደነ ፍቕሪ የርኢ ኣሎ። ሓደ በለለይ!
ቀጺሉ ዕሉል ወይጦ በረኸት ሃብተስላሰ ንእምበይትኡ ጀንዳይ ፍሬዘር “ሓጥያት” ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብምዝርዛር መንግስቲ ገምጢልኩም ኣረክቡና ዘስምዕ ጸሑፍ ወረቐ:: እዚ “ጨለ” ፕሮፌሶረ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብመልክዕ መሕተትን ጽሑፍን ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ንሰውራ ኤርትራ ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ጌሩ ንነብሱ ከቕርብ ይርአ ኣሎ። ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ግን እተን ዝርካበን ኣብ ሰውራ ዘሕለፈን እዋን እንትርፎ ስርቅን ምጥፍፋእን ካልእ ዘበርከቶ ኣይነበረን። ክልተ በሉለይ!
ድሕሪ ናይ በረኸትን ጳውሎስን ድራማ፡ ሰንሰለታዊ ኣገባብ ሒዙ ብዝመጾም ትእዛዝ መሰረት ዝሕረሱ ኣብዑር ብጊደኦም ሰላማዊ ሰልፊ ዝብልዎ ናይ ሳዕሉጋት ጭደራ ኣብ ዋሺንግተን ኣርኣዩ። እቲ ዘገርም ሓለፍቲ እዞም ሸየጥቲ ሃገር ዋላ እንኮ ኣብ’ዚ ጭደራ ኣይተራኣዩን። ኣብ ካልእ ናይ ዕንደራን ጓይላን ኣጋጣሚታት ካብ ኤሮጳ ናብ ኣመሪካ ክወናጨፉን ክሰኣሉን ኣይእግሞምን ኔሩ። በይኖም ብዘይሓለፍቶም ዝለኣኹ ስልጡናት ኣብዑር ካብ ረኸቡ እንታይ ዘጨንቕ ኣለዎም። ሰለስተ በለለይ!
እዚ ድራማታት ናይ ሸየጥቲ ሃገር ንወራር ወያነ “ምቹእ ባይታ” ንምጥጣሕ ተባሂሉ ብፍሉጣት መርበባት ስለያ ዝተዋደደ ናይ ጻዕረ-ሞት ፍሹል ፈተነ ኢዩ:: ኲናት ጭር ጭር ዓበደ ኮይኑ’ስ ያኢ ወያነ ጥይት ቶግ ቶግ ኣቢላ ንህዝቢ ኤርትራ “ደማሲሳ” ንሸየጥቲ ሃገር ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ዅይጥ ከተብሎም’ዩ እቲ ዓቢ ሕልሚ:: ወይጦታት ብህርፋነ-ስልጣን ስለ ዝሰኸሩ ንብልሕን ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ክርድኡ ኣይኸኣሉን፡፡ ጠንቂ ናይ’ዚ ድራማዊ ሕልሚ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይምምሃር እዩ:: ኣብ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ነቲ ሃገራዊ ደምበ ዝኸድዐ ወገን ከም ባሊቃ ካብ መሬት ኤርትራ ተዀስቲሩ ከምዝወጸ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ ኢዩ:: እዚ ናይ ሽዩጣት ጭፍራ ዝጉምበሓሎም ዘሎ መርበባት ስለያ ቀደም’ውን ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ከቕህሙ ዘይሸረብዎ ውዲትን ዘይኣለምዎ ተንኮልን ኣይነበረን:: ኣብ ፍሉይ መድረክ ሽዩጣት ሓምሻይ መስርዐኛታት ንፋሺሽታዊ ደርግ ብምስጋድን ስዩም ብምባልን ብስም “ራስ-ገዝ” ናይ ፖለቲካ ሽርሙጥና ብምፍጻም ሃገር ክሽንቊጡ ፈቲኖም፡ ግና’ኸ ብሃገሩን ክብረቱን ዘይዋገ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ሰጊሩ ንጸላኢ ደማሲሱ ይትረፍ ዝዕንድሩላ፡ ዝቕበሩላ ኤርትራ’ውን ኣስኢንዎም ኢዩ። ሽዑ’ውን እንተኾነ ሰውራ ኤርትራ ክድምሰሰሎም’ሞ ንሳቶም ኣዕጽምቲ ስዉኣት ረጊጾም ናይ “ራስ-ገዝ” ኣማሓደርቲ ኮይኖም ኣብ ኮምብሽታቶ ከኳድዱ ፍሹል ሕልሚ ኔርዎም ኢዩ:: “ሰውራ ኤርትራ ኣኺልዎ ኢዩ: ደጊም ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ” እናበሉ’ውን ንደርግ ክንብርከኹ ዝፈተኑ ሸየጥቲ ሃገር ከም’ዚ ናይ ሕጂ ተዓሲቦም ኔሮም ኢዮም:: ግን’ከ ውዲት ናይ ሓያላትን ሸርሒ መርበባት ስለያን ትምክሕቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ብቕልጽም ህዝባዊ ሰራዊት ሃደሽደሽ ምስ በለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓሲባ ዝጸንሐት ሸያጢት ሃገር ገሊኣ ኣብ ውሽጢ ኡቶን ክትሕባእ: ገሊኣ ድማ ብኬንያ ባህሪራ ክትሃድም ተራእያ:: ዝበዝሐት ሸያጢት ሃገር ግን ኣብ ኢድ ህዝባዊ ሰራዊት ወዲቓ ኢያ:: ሕጂ’ውን እዛ ኣብ ጎደናታት ዋሺንግተን ከም ዋጭል ዋጭ ዋጭ ትብል ዘላ ሸያጢት ሃገር ካብ ሕማም ሽኮርን ብዝሒ ደምን ናይ ሞራል ውድቀትን ትሓልፍ ኣይኮነትን::
ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ከይተንበርከኹ ብኒሕን ሓቦን ዕቃበ ህዝቦምን ልዑላውነት ሃገርን ንምርግጋጽ አዕንቲ ወያነ ክብጥቁሉ ድልዋት ኣለዎ። ምስ ወያነ ዝወገነት ሸያጢት ሃገር’ውን አዒንታ ክትብጥቆል ናይ ግድን ኢዩ። ካብ’ቲ “ህዝብና” ዝብልዎ ጅግና ኤርትራዊ ውቅያኖሳት ርሒቖም ባዶ ናይ ሪሞት ኮንትሮል “ሃገራውነት” ለቢሶም ዝግዕሩ ንመን ንምቕሻሽ ኢዩ? ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ርሒቕካ’ዶ ብወንጭፍ መንግስቲ ይግምጠል ኢዩ? ህዝቢ ኤርትራ እንትርፎ ሃገራዊ ክድዓት ኩሉ ነገር ይጻወር’ዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደጊም ንከዳዓት እቲ ንቡር ናይ ግብኣተ-መሬት መቕበሪ’ውን ቦታ ኣይክፍቀድን ኢዩ። ኣየ! ወይጦታት፡ ኣብ ስደት መሪትኩምን መሽሚሽኩምን፡ ብናይ ሕልና ስቅያት ማህሚንኩምን፡ ብሕማም ሽኮርን ብዝሒ ደምን ተደቢንኩም፡ ተንቀሳቐስቲ ሬሳታት፡ ሽንቲ ኮይንኩም ክተርፉ ምሓሸኩም!! ሰናይት ነጋሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
|
|
| Last Updated ( Tuesday, 20 November 2007 ) |
| < Prev | Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
