| Ametawi Akeba Abalat HGDEF Chenfer Debub German |
|
|
|
| Written by Administrator | |
| Wednesday, 21 November 2007 | |
ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ ን/ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ኣባላት ህ.ግ.ደፍ ን/ጨንፈር ደቡብ ብዕለት 17.11.2007 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት „ህግ ሓወልቲ ክብርታትና ዝነደቐ ደርማስ ሓይሊ ህዝቢ ኢዩ“ „ሎሚ’ዉን ከም ትማሊ ሻዕብያ“ ዝብሉ ጭርሖታት ዝተሰነዩ ዓመታዊ ኣኼባኦም ኣካይዶም። ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ብኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርናን በጺሑዎ ዘሎ ምዕባሌታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ- መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልምዓት ዘሰላስሎ ዘሎን ልኡላውነት ሃገሩን ሓድነት ህዝቡን ንምዕቃብን ንምሕላዉን ብቀሊል ዘይግመት ዓበይቲ ስራሓት የካይድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ብመግቢ ነብሳ ንምኽኣል ኣብ ተካይዶ ዘላ ልምዓታዊ መደባት ብዙሕ ንቕድሚት ገስጊሳ ከምዘላ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ቁጠባ ንዘሎ ምዕባለ ኣብ ዝምልከት ኣብ ማዕድን እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ወርቒ ምፍሓርን ካልእን ኣብ ዝመጽዕ ሓጺር ዕዋን ንምጅማሩ ዘድሊ ውዕላት ብምፍራም ኩሉ ስራሓት ተዋዲዱ ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ ሃብቲ ዓሳ፡ ቱሪዝምን፡ ምስናዕን ካልኦት ስራሓት’ዉን ንምዕባሌ ቁጠባና ዘቐላጥፍ መደባት ንምትግባር ኣብ ምድላዋት ከምዘለዉ ኣብሪሁ፡፡ ኣምባሳደር ጴጥሮስ ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ስርዓት ከዳሚ ወያነ፡ ምስምሳት እናመሃዘ፡ ንመስርሕ ምምልካት ዶብ ከተዓናቕፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኩናት ዳንኬራ የስምዕን ይህንደድን ኣሎ፡ ስርዓት መንግስቲ ኣመሪካ እንተኾነ’ውን ምስሊ ሃገርና ንምድዋን ተሓባባሪት ግብረሽበራ ብዝብል ብጭብጥታት ዘይተሰነየ ዝዝርግሖ ዘሎ ውጹእ ሓሶታት ከይተዳህለልና፡ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ፡ ንኹሉ እንተታት፡ ከም ወርትግ ሓድነትኩም ብምድልዳል መኸተኹም ከተሓይሉ ይግባእ ኢሉ፡፡ ኣብ መጨረሻ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ። ብድሕሪ’ዚ ዝቐጸለ፡ ብቤት ጽሕፈት ህግደፍ ንኡስ ዞባ ጀርመን „መድረኻዊ ሓላፍነትናን ብድሆታት ምስግጋርን“ ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ቐሪቡ፡ ብኽትዕ ተሰንዩ ድማ ኣባላት ሓበራዊ መረዳእታ ንኽህልዎም ሓጊዙ፡፡ ኣኼበኛ ካብዚ ተበጊሶም ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም፡ ንዘለዉና ድኽመታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ብምርኣይ፡ ንኣዎንታዊ ጎድንታቱ ብምዕቃብን ውድባዉን ሃገራዉን ቃልሱ ክብ ክብል ብናይ ሓባር ድምጺ ተረዳዲኡ። ኣብ መወዳዕታ ንህልዉ ኩነታትና ኣመልኪቶም ብውዕዉዕ መንፈስ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ደገፎምን ጻዊዒቶምን ኣቕሪቦም። መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመንገዲ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝተጓናጸፎ ቁጠባዊ ዕብየት እንዳ ዘከርና፡ ንኹሉ መሰናኽላትን ሽርሕታትን ሰጊራ ሃገርና ነብሳ ክኢላ ቁጠባዉን ፓለትካዉን ሓርነት ክትጓናጸፍ ዘሰላስሎ ቃልሲ ነመጉስ! o መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባና ሰላም ንምስፋን ዝኽተሎ ዘሎ ቅኑዕ ፖሊሲ ንድግፍ! o ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ብመሰረት ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ናይ 13 ሚያዝያ 2002 ብይን ኣብ ካርታ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ክረጋገጽ’ውን ንጽውዕ! o ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ዝንቀሳቐሱ ኣጥቢቕና ንኹንን! o ንመንግስትን ህዝብን ንምፍልላይ፡ ብፍላይ ኣብ ደገ ንዘለና፡ ዝግበር ዘሎ ሽርሕታትን ተጻብኦታትን ዛጊት ከም ዝሓለፈ ውዲታት ነቒሕናሉ ስለ ዘለና ከም ዝፈሽል ንተኣማመን ኢና! o ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንጉዳይ ልኡላውነትን ምውሓስን ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይነእቱን፡ ኩሉ ካባና ዝጥለብ ከነማልእ፡ ከም ወትሩ ድልዋት ምዃንና ነረጋግጽ! o ምእንቲ ሃገርናን ህዝብናን ንኹሉ እንተታት ንምግጣም ምስ ምሉእ ፍናና ቅሩባት ከም ዘለና ደጊምና ነረጋጽ!
ዓወት ንሓፋሽ!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና! ኣባላት ህ.ግ.ደፍ ንኡስ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ሽቱትጋርት 17.11.2007 In Pictures:
|
|
| Last Updated ( Monday, 26 November 2007 ) |
| Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
