Lost Password? Register
  • Narrow screen resolution
  • Wide screen resolution
  • Auto width resolution
  • Increase font size
  • Decrease font size
  • Default font size
  • default color
  • red color
  • green color

Biddho.com Eritrea - Rising To The Challenges!    

Sunday
Sep 07th
Home arrow Hzbawi Mekete arrow A unique Hzbawi Mekete in Frankfurt left unforgettable impressions
A unique Hzbawi Mekete in Frankfurt left unforgettable impressions Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 16 January 2008
Image A unique Hzbawi Mekete with over 2000 visitors was held in Eschborn (Germany) with. Following is a report in Tigrigna with a huge photo gallery.

>> Download Report as PDF Document  

 

ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ጀርመን

ዕለት 12.01.2008 ኣብ ጥቓ ፍርንክፈርት ትርከብ ከተማ ኤሽቦርን ከባቢ ሰዓት 13፡00 መሬት ርፍድ ኢሉ ቀዝሒ ጀርመን ገና ሓይሉ ከይጸንቀቐ እንከሎ፡ እቶም ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ዝጽበዩ ዝጸንሑ ደቂ ሓደ-ልቢ ኣብ ከባቢ እቲ ነዚ ፍሉይ መደብ መኸተ ዝተዳለወ ኣድራሽ ወዛሕዛሕ ክብሉ ጀመሩ። ኣይጸንሐን ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ጀርመን ዝሓዛ ቀዳሞት ኣውቶቡሳት ክቕልቀላ ጀመራ። እተን ሞቶር ሃገራውነት ዝኾነ ኣዴታት ከም ወትሩ ባንዴረአን ተጎልቢበን፡ ከበሮአን እንዳ ሃረማ፡ ኣብቶም ዝጽበይወን ዘርፈዱ ብጾተን ክሕወሳ ጀመራ። ኣቦታትን መንእሰያት’ውን እንዳ ሰዓብወን ኣብቶም ማእለያ ዘይብሉ ባንዴራ ኤርትራን ብጀርመንን ትግርኛ ብዝተጸሓፈ ጭርሖታት ዝሓዙ ኤርትራውያን ተጸንበሩ። ንመደብ ህዝባዊ መኸተ ንምምዕራግን ኣብ ጎድኒ መንግስትን ህዝብን ኤርትራን ደው ከምዝበሉን ከምዝብሉን ዳጊም ብግብሪ ንህዝቢ ዓለም ንምፍላጥ ብማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ ነይሩ። ኩሉ ምስ ተኣኻኸበ፡ ድሒሩ ዝመጽአ ምስ ኣርከበ “ንሕና ምስ መንግስትና” ፤ “ንሕና ምስ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ” ፤ “ጥሙር መኸተ ንሓርነት፡ ምዕባለን ዕቤትን ኤርትራ” ፤ “ግብረ-ሽበራዊ መንግስቲ ወያነ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ይውጻእ” ፤ “ሰላም ንህዝቢ ሶማል”  ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ክነጉድ ጀመረ። ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት  መደብ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣስማት ከተማታቶም ዝሓዘ ታቤል ሒዞም ብመስርዕ ናብቲ ኣዳራሽ ኣተዉ። እቲ ኣዳራሽ ከኣ ብስእላዊ ምርኢት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ብደርፍታት ሃገራዊ ሓርነታዊ መድረኽን ተቐበሎም። ሽዑን ሽዑን ካብ ኣሳናዳእቲ መደብ መኸተ ንዝኽሪ ሰማእታትና ኩሉ ተሳታፋይ ካብ መንበሩ ሓፍ ክብል ሓበረ። ብ”ፋኑሰይ” ትብል ዜማ ሰማእታት ተሰንዩ ኸኣ ምስ ሰማእታቱ ተዛረበን መሓልኡ አሐደሰን።

ብድሕሪ እዚ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዝተዳለወ መደብ፡ ማለት መደብ ህዝባዊ መኸተ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ተጀመረ። ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ሓጸርቲ መግለጺ ብዛዕባ “መኸተ ብመንጽር ህልው ኩነታት” ፤ “ሕቶ ግብረ-ሽበራን ኤርትራን”  ከምኡ እውን “መኸተ ብመንጽር ሃገራዊ ልምዓት” ብኪኢላታት ቀሪቡ። ድሕሪ እዚ ኣስተምህሮኣዊ ወረቓቕቲ ብተሳተፍቲ ብሸነኾም ነቲ ዝተወሃበ ትምህርቲ ዘዕሙቕ ርእይቶታትን ተራ ህዝቢ ዘጉልሕ መደረታትን ቀሪቡ። ግጥምታት እውን ኣካል ናይቲ መደብ ኢዩ ነይሩ።

ሰዓት 17:00 ምስ ኮነ ኣብቲ ካልኣይን ኩሉ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝጸነሐ መደብ ሰሚናር ብላዕላዋይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕና ሰገረ። ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ኣብ ሕቶ ዶብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ኣብ ማሕበራውን ወተሃደራውን ኩነታት ሃገር ዝተኮረ ሰፊሕ መግለጺ ሃበ። ድሕሪ ኣብ ኩሉ መዳያት ዛጊት ዝተሰላሰለን ን2008 ተታሒዙ ዘሎ መደባት ብዝርዝር ዘነጸረ መገለጺ ኣቶ ሓጎስ፡ ተሳተፍቲ ንዘይበርሃሎም ሕቶ ብምሕታትን ርእይቶታት ብምሃብን ሓሳባቶም ገሊጾም።

ሰሚናር ብኣቶ ሓጎስ ተዋሂቡ ምስ ተወደአ፡ ነቲ መድረኽ ኣሰናዳእቲ ህዝባዊ መኸተ ኢዮም ተረኪቦሞ። ድሕሪ ሓጺር ሓበሬታ ውሳነ ህዝባዊ መኸተ ጀርመን ብዓረብን ብትግርኛን ኣቕሪቦም። ብቛንቛ ጀርመን እውን ንሰብ ስልጣንን ፖለቲከኛታት ጀርመንን ክለኣኽ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። (ዝርዝር ውሳነታት ታሕቲ ተመልከት)

ኣብ መደምደምታ ብጉጅለ ባህሊ ኤሪ-ባንድን ጉጅለ ባህሊ ሊሎ ባንድን ንመኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘጉልሑን ትስፍው መጻኢ ዝሕብሩን ዝተፈላለዩ ደርፍታት ቀሪቦም። ከባቢ ሰዓት 20፡00 ኸኣ እቲ ልዕሊ 2000 ዜጋታት ካብ ኩሉን ከተማታት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ህዝባዊ መኸተ ብሃገራዊ መዝሙር ተዛዚሙ። ተሳተፍቲ ኸኣ ባንዴራታቶም እንዳ ኣንበልበሉ፡ ድሙቕ ጓይላ ብምትካል እንዳ ሳዕስዑ ነቲ እዚ ህዝባዊ መኸተ ዘሕደረሎም ሕድርን ዝሃቦም ፍናንን እንዳኮማስዑ በብዘምጽእዎን ኣውቶቡሳት ነናብ ቦቶኦም ገስገሱ።    

ጻውዒትን ውሳነታትን ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ሃገረ ጀርመን

ንሕና ኣብ ሃገረ ጀርመን ንነብር ኤርትራውያን፡ ሎሚ 12 ጥሪ 2008 “ጥሙር መኸተ ንሓርነትን፡ልምዓትን፡ ዕቤትን ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል እዋናዊ ቴማ ድሉውነትና ንሰላም፡ ልኡላውነትን፡ ልምዓትን ዘረጋግጽ ታሪኻዊ ህዝባዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድን፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ምምይያጥን፤

ነዚ ዝስዕብ ጻውዒትን ውሳነታትን ብስሙር ድምጺ ነሕልፍ፡- 

  1. ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብ ናይ ሚያዝያ 2002 መሰረት ብምግባር ሕቶ ዶብ ብመንገዲ ቪርችዋል ምምልካት ሕጋዊ መዕለቢ ስለዝተገብረሉ፡ ስርዓት ወያነ ኣብ መሬት ኤርትራ ዘካየዶ ሰፈራታት ክቕንጥጥን ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊቱ ብቕጽበት ክስሕብን ኣትሪርና እንዳሓተትና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ ዘድሊ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ንጽውዕ።
  1. ነቲ ኣንቂድካ ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክርስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምጽላምን ንምክፍፋልን ብሃሱሳትን ግዙኣት ግዳማዊ ሓይልታትን ዝግበር ጸለምታት ኣትሪርና ንኹንን።
  1. መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ሶማልን ሱዳንን ከኣ ብፍላይ ሰላምን፡ ምርግጋእን ንምርግጋጽ ዘካይዶ ዘሎ ዓቃልን ንመጻኢ ዝጠመተ ጻዕርን ዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛን ነመጉስን ንድግፍን።
  1. ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ቀዳሞት ግዳያት ግብረ-ሽበራን ቀንዲ ተቓለስቲ ኣንጻሩን ምዃኖም ኣብ ታሪኽ ዘመስከርዎ ሓቂ ምዃኑ እንዳ ኣዘኻኸርና፡ እቲ ብምስምስ ግብረ-ሽበራ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ጉጉይ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ከብቅዕን፡ ምምሕዳር ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብተጻብኦ ብሽርክነት ዝምድናኡ ንኽማሓይሽን ንጽውዕ።
  1. ኩሉ ንሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘይምኽኑይ ተጻባኢ ተግባራት እንዳኾነንና፡ ሃገርና ኣብ ምክልኻል ከም ወትሩ ኣብ ጉድኒ መንግስትናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደዉ ኢልና ካባና ዝጥለብ ከምንገብርን ኣበርክቶና ንሓርነትን ልምዓትን ዕቤትን ክብ ከምነብልና ቃልና ደጊምና ነሕድስ።
  1. ኤውሮጳዊ ሕብርት ብሓፈሻ መንግስቲ ጀርመን ከኣ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ንምንጋስ ሃናጺ ኣበርክቶኦም ክዕዝዙን መንግስቲ ጀርመን ድማ ብተወሳኺ ብመሰረት መትከላት ሽርክነት ዝምድንኡ ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ክብ ከብል ንጽውዕ።
  1. ኤርትራ ነብሳ ኪኢላ፡ ምዕባሌኣ ገስጊሱ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ቦታኣ ንክትሕዝ ብመንግስትን፡ ህዝብን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ይሰላሰል ንዘሎ መደባት ልምዓት እናሞጎስና፡ ከም መርኣያ ግብራዊ ደገፍና ንጥሙር መኸተ ሓርነትን ልምዓትን ዕቤትን ኤርትራ ዝውዕል ብመሰረት ኣኼባ ሽማግለታት መኸተ ኣብ ከተማ ማንሃይም ዝተወሰነ ኣብ ስራሕ ንርከብ 300 ኦይሮ ኣብ ሽቕለተ-ኣልቦ ዘለና 150 ኦይሮ ከምኡ እውን ኣብ ትምህርቲ ዓለም ንርከብ 50 ኦይሮ ዕውት ንኽኸውን ዘድሊ ጻዕሪ ክነካይድ ምዃና ደጊምና ቃል ንኣትው።

 

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ

ንሰላምን ልኡላውነትን ልምዓትን

 

In Pictures: