| A unique Hzbawi Mekete in Frankfurt left unforgettable impressions |
|
|
| Written by Administrator | |
| Wednesday, 16 January 2008 | |
A unique Hzbawi Mekete with over 2000 visitors was held in Eschborn (Germany) with. Following is a report in Tigrigna with a huge photo gallery.
>> Download Report as PDF Document
ዕዉት ህዝባዊ መኸተ ጀርመን ዕለት 12.01.2008 ኣብ ጥቓ ፍርንክፈርት ትርከብ ከተማ ኤሽቦርን ከባቢ ሰዓት 13፡00 መሬት ርፍድ ኢሉ ቀዝሒ ጀርመን ገና ሓይሉ ከይጸንቀቐ እንከሎ፡ እቶም ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ዝጽበዩ ዝጸንሑ ደቂ ሓደ-ልቢ ኣብ ከባቢ እቲ ነዚ ፍሉይ መደብ መኸተ ዝተዳለወ ኣድራሽ ወዛሕዛሕ ክብሉ ጀመሩ። ኣይጸንሐን ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ጀርመን ዝሓዛ ቀዳሞት ኣውቶቡሳት ክቕልቀላ ጀመራ። እተን ሞቶር ሃገራውነት ዝኾነ ኣዴታት ከም ወትሩ ባንዴረአን ተጎልቢበን፡ ከበሮአን እንዳ ሃረማ፡ ኣብቶም ዝጽበይወን ዘርፈዱ ብጾተን ክሕወሳ ጀመራ። ኣቦታትን መንእሰያት’ውን እንዳ ሰዓብወን ኣብቶም ማእለያ ዘይብሉ ባንዴራ ኤርትራን ብጀርመንን ትግርኛ ብዝተጸሓፈ ጭርሖታት ዝሓዙ ኤርትራውያን ተጸንበሩ። ንመደብ ህዝባዊ መኸተ ንምምዕራግን ኣብ ጎድኒ መንግስትን ህዝብን ኤርትራን ደው ከምዝበሉን ከምዝብሉን ዳጊም ብግብሪ ንህዝቢ ዓለም ንምፍላጥ ብማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ ነይሩ። ኩሉ ምስ ተኣኻኸበ፡ ድሒሩ ዝመጽአ ምስ ኣርከበ “ንሕና ምስ መንግስትና” ፤ “ንሕና ምስ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ” ፤ “ጥሙር መኸተ ንሓርነት፡ ምዕባለን ዕቤትን ኤርትራ” ፤ “ግብረ-ሽበራዊ መንግስቲ ወያነ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ይውጻእ” ፤ “ሰላም ንህዝቢ ሶማል” ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ክነጉድ ጀመረ። ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ሰዓት መደብ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣስማት ከተማታቶም ዝሓዘ ታቤል ሒዞም ብመስርዕ ናብቲ ኣዳራሽ ኣተዉ። እቲ ኣዳራሽ ከኣ ብስእላዊ ምርኢት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ብደርፍታት ሃገራዊ ሓርነታዊ መድረኽን ተቐበሎም። ሽዑን ሽዑን ካብ ኣሳናዳእቲ መደብ መኸተ ንዝኽሪ ሰማእታትና ኩሉ ተሳታፋይ ካብ መንበሩ ሓፍ ክብል ሓበረ። ብ”ፋኑሰይ” ትብል ዜማ ሰማእታት ተሰንዩ ኸኣ ምስ ሰማእታቱ ተዛረበን መሓልኡ አሐደሰን። ብድሕሪ እዚ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዝተዳለወ መደብ፡ ማለት መደብ ህዝባዊ መኸተ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ተጀመረ። ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ሓጸርቲ መግለጺ ብዛዕባ “መኸተ ብመንጽር ህልው ኩነታት” ፤ “ሕቶ ግብረ-ሽበራን ኤርትራን” ከምኡ እውን “መኸተ ብመንጽር ሃገራዊ ልምዓት” ብኪኢላታት ቀሪቡ። ድሕሪ እዚ ኣስተምህሮኣዊ ወረቓቕቲ ብተሳተፍቲ ብሸነኾም ነቲ ዝተወሃበ ትምህርቲ ዘዕሙቕ ርእይቶታትን ተራ ህዝቢ ዘጉልሕ መደረታትን ቀሪቡ። ግጥምታት እውን ኣካል ናይቲ መደብ ኢዩ ነይሩ። ሰዓት 17:00 ምስ ኮነ ኣብቲ ካልኣይን ኩሉ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝጸነሐ መደብ ሰሚናር ብላዕላዋይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕና ሰገረ። ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት ኣብ ሕቶ ዶብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ኣብ ማሕበራውን ወተሃደራውን ኩነታት ሃገር ዝተኮረ ሰፊሕ መግለጺ ሃበ። ድሕሪ ኣብ ኩሉ መዳያት ዛጊት ዝተሰላሰለን ን2008 ተታሒዙ ዘሎ መደባት ብዝርዝር ዘነጸረ መገለጺ ኣቶ ሓጎስ፡ ተሳተፍቲ ንዘይበርሃሎም ሕቶ ብምሕታትን ርእይቶታት ብምሃብን ሓሳባቶም ገሊጾም። ሰሚናር ብኣቶ ሓጎስ ተዋሂቡ ምስ ተወደአ፡ ነቲ መድረኽ ኣሰናዳእቲ ህዝባዊ መኸተ ኢዮም ተረኪቦሞ። ድሕሪ ሓጺር ሓበሬታ ውሳነ ህዝባዊ መኸተ ጀርመን ብዓረብን ብትግርኛን ኣቕሪቦም። ብቛንቛ ጀርመን እውን ንሰብ ስልጣንን ፖለቲከኛታት ጀርመንን ክለኣኽ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። (ዝርዝር ውሳነታት ታሕቲ ተመልከት) ኣብ መደምደምታ ብጉጅለ ባህሊ ኤሪ-ባንድን ጉጅለ ባህሊ ሊሎ ባንድን ንመኸተ ህዝቢ ኤርትራ ዘጉልሑን ትስፍው መጻኢ ዝሕብሩን ዝተፈላለዩ ደርፍታት ቀሪቦም። ከባቢ ሰዓት 20፡00 ኸኣ እቲ ልዕሊ 2000 ዜጋታት ካብ ኩሉን ከተማታት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ህዝባዊ መኸተ ብሃገራዊ መዝሙር ተዛዚሙ። ተሳተፍቲ ኸኣ ባንዴራታቶም እንዳ ኣንበልበሉ፡ ድሙቕ ጓይላ ብምትካል እንዳ ሳዕስዑ ነቲ እዚ ህዝባዊ መኸተ ዘሕደረሎም ሕድርን ዝሃቦም ፍናንን እንዳኮማስዑ በብዘምጽእዎን ኣውቶቡሳት ነናብ ቦቶኦም ገስገሱ። ጻውዒትን ውሳነታትን ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ሃገረ ጀርመን ንሕና ኣብ ሃገረ ጀርመን ንነብር ኤርትራውያን፡ ሎሚ 12 ጥሪ 2008 “ጥሙር መኸተ ንሓርነትን፡ልምዓትን፡ ዕቤትን ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል እዋናዊ ቴማ ድሉውነትና ንሰላም፡ ልኡላውነትን፡ ልምዓትን ዘረጋግጽ ታሪኻዊ ህዝባዊ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድን፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ምምይያጥን፤ ነዚ ዝስዕብ ጻውዒትን ውሳነታትን ብስሙር ድምጺ ነሕልፍ፡-
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ህዝባዊ መኸተ ንሰላምን ልኡላውነትን ልምዓትን
In Pictures:
|