| ሕድሪ ሰማእታትና ንሕና’ምበር መንደኣ’ሞ ክስከሞ! |
|
|
| Written by ተስፋማርያም ሓጎስ | |
| Sunday, 07 September 2008 | |
|
ኣብዛ ዓመጽትን ጓዕጸጽትን ዝበዝሕዋ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣበሶ ዘይብሉ ክውረርን ክሕረድን ክጭፍጨፍን ካብ መሬት ዓደቦኡ ክስጎግን ዘመናት ሓሊፉ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬቱ ምስ ዝረገጸ ባዕዳዊ ጸላኢ ክተሓናነቕን ክምክትን ክብርቲ ህይወቱ በጃ ሃገሩን ህዝቡን ከሕልፍ ዘመናት ሓሊፎም። እዚ ናይ ቃልስን ዘይተምበርካኽነትን ባህርይ እዚ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ እነሆ ኣብዘን ናይ መወዳእታ ኣርባዓ ዓመታት መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ሓንሳብን ናይ መወዳእታን ዝኾነሉ ምሉእ ነጻነት ኤርትራ በጺሑ። ዝሓለፉ ግፍዕታትን ስቓይን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ በብዘመኑ እንተንፍትሾም እቲ ስቓይ ማዕረ ክንደይ ከቢድን ኣስካሕካሕን ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ምእንቲ ሃገርካን ህዝብኻን በጃ ምሕላፍ ቅዱስ መንፈስ ኣብ ደም ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝሰረጸ እነሆ ካብ ወላዲ ናብ ውላድ እናተሰጋገረ ይቕጽል ኣሎ።ዘዝተወልደ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሰሓቑን ኣብ ዕላሉን ኣብ ጸወትኡን ነቶም በጃ ሃገርን ህዝብን ዝሓለፉ ሰማእታት ብዕላልን ደርፍን ብኣኽብሮት ይዝክሮም።ዘዝተወልደ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ከምቲ ናይቶም በጃ ሃገሮም ዝሓለፉ ጀጋኑ ሓርበኛታት በጃ ሃገሩን ህዝቡን ጅግንነት ፈጺሙ ክሓልፍ ወትሩ ድሉው ይኸውን። እዚ ብጀካ እቶም ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያኒ ዝተምበርከኹ ሸየጥቲ ሃገሮም ውሑዳት ወይጦታት ገዲፍካ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ኣእምሮኡ ብደም ሰማእታት ወቂጥዎ ለይቲ ምስ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ዘንብቦን ኣብ ኣእምሮኡ ንኹሉ ሃገር ኣብ ምህናጽን ምውሓስን መስሪሑ ኣብ ባይታ ለይትን ቀትርን ኣስሚሩ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዩ። ኤርትራዊ ትውልዲ ብትምህርቲ ተኾስኲሱ ክዓቢ እንተደኣ ተደልዩ ኣብ መላእ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ ክስራሕ ከም ዘለዎ ኩልና ንሰማምዓሉ ጉዳይ እዩ፡ ወጻኢታት መን እዩ ክሽፍኖ መን እዩ’ኸ ክሰርሖ! ሃብታማት ናይ ምዕራብ ሃገራት ድየን ብገንዘበንን ብጉልበተንን ክሰርሓልና ! ብጀካና ካልእ ዝምዉሎ ይኹን ዝሰርሖ የሎን፡ እዚ ጀጋኑ ሓንሳብ እንተጠፊኣ ዘይትምለስ ሓንቲ ህይወቶም ከፊሎም እዮም ሃገር ኣምጺኦም እምበር ብሓገዝ ምዕራባውያን ሃገራት ነጻነት ኣየምጽኡን። ንሕና ከኣ መጻኢ ትውልዲ ብትምህርቲ ተኾስኲሱ ክዓቢ እንተ ተደልዩ ኣብያተ ትምህርቲ ክስራሕ ኣለዎ ነቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከኣ ገንዘብናን ጉልበትናን ኣፍሲስና እንሰርሖ ንሕና ኢና ፡ ብጀካና ነዚ ዕማም እዚ ነዚ ሕድሪ ሰማእታትና ኣብ ግብሪ ዝትርጉሞ ዝስከሞ ካልእ የሎን።ንሕና ደኺምና ጸሚእና ጠሚና ኢልና ዕጻይ ምጻጻይ እንብለሉ መንገዲ የሎን። ፈቲና ጸሊእና ንሕና ኢና ተቐበልቲ ሕድሪ።ህንጸት ኣገር ክበሃል እንከሎ ሓደ ጨንፈር ወይ ንእሽቶ ክፋል ኣይኮነን፡ ኩሉ ዓይነት እዩ። ኩሉ ከኣ ኣብ መንኮብና እዩ ዘሎ።ሃገር ብሕርሻ ክትምዕብል ኣለዋ ህዝብና ካብ ጥሜትን ዓጸባን ክገላገል ንብል፡ሃገር ብናይ መሬት ዘመናውያን መንገድታት ከም ሰኪዐት ክትራኸብ ኣለዋ፡ መጻኢ ወሎዶታት ጥዕንኦም ተሓልዩ መታን ክነብር ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነብረሉ ቦታ ኣብያተ ሕክምና ክስራሕ፡ ህዝብና ዝባኑ ማሚቑ ኣብ ውሑስን ካብ ቍርን ኣስሓይታን ዝከላኸለሉ መዕቆቢ ኩልዎ እንተደኣ ኮይኑ መን እዩ ክምዉሎ መን እዩ ክሰርሖ ! ናይ ምዕራብ ሃገራት ! ኣይፋሉን ፡ ንሕና ኢና ጉልበትናን ረሃጽናን ኣፍሲስና እንሰርሖ። መትከልና መትከል ህ.ግ መትከል መንግስትናን ህዝብናን „ርእስኻ ምኽኣል“ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። በይናና ኣንጻር ሽሾ ጸላእትናን ሽሾ ደገፍቶምን እንተላይ ክልቲኤን ርእሰ ሓያላን መንግስታት ተቓሊስና ዝተዓወትና ሰረትና ኣብ ህዝቢ መትከልና ርእስኻ ምኽኣል ውድብና ከኣ እታ ህዝባዊት ውድብ ህ.ግ. ስለ ዝነበረን እዩ እምበር ካልእ ምስጢር ስለ ዝነበረና ኣይኮነን።ሎሚ ውን እቲ ህዝባዊ መንግስትናን ብሓድነቱን ጽንዓቱን ተወፋይነቱን ኣብ ዓለም ዝልለ ህዝብናን ነቲ ክንበጽሖ እንደሊ ብዘይ ጥርጥር ከም እንበጽሖ እነሆ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና።ጸላእትና እቶም ከም ሃገር ከም ህዝቢ ክንነብር ዕረ ዝጥዕሞም ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ምድረ ገጽ ንምጥፋእና ትማል ዝከኣሎም ዘበለ ጌሮም ኣብታ ዝኣጎድዋ ሓዊ ተለብሊቦም ተሪፎም።ሎሚ ውን እነሆ ንምጥፋእና ኣባትር ኣብዚሖም ኣብ ምውጥዋጥ ይርከቡ። ንሕና ስራሕ ኣይሰኣንናን ምስ ዝረብሑን ዘይረብሑን ክንቋየቝን በትሪ ሒዝና ሰስ ክንብልን። ንሕና ነቲ ክንበጽሖ እንደልዮ መታን ክንበጽሖ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣበጊስና ለይትን ቀትርን ኣስሚርና ሆ ንብል ኣሎና። ሃገር ብኹሉ መዳይ ትህነጽን ከም ዕምበባ መስከረም ትዕምብብን ተጕላዕልዕን ኣላ።ጸላእትና ምስ ጎይተኦም ኣሜሪካን ሰዓብታን ጽርግያታት እንተሰራሕና ኣይትስርሑ ፡ ዲጋታት ሃኒጽና ሓመድናን ማይናን ዓቂብና ሕርሻና እንተኣሰሰንና ኣይትስርሑ፡ መንእሰይ ኣብ ምህናጽ ሃገር ኣብ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ እንተሰርሐ ፡ ኡይ መንእሰይ ባርያ ኮይኑ፡ ኣይፋልካን መንእሰይ ህደም እናበሉ ክግዕሩ፡ መንእሰይ ንድሕነት ሃገሩ ደው እንተበለ ፡ መንእሰይ ብዘይ ድሌቱ ኣብ ኲናት ይሃልቕ ኣሎ ኣብ ድፋዕ መወዳእታ ዘይብሉ በልዩ እናበሉ ወግሐ ጸብሐ ይግዕሩ ኣለዉ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ሃገሩ እንተ መከተ ፡ ኣይፋልካን ንጥይት መግዝኢ እዩ ከይትኸፍል እናበሉ ብወይጦታቶም ጌሮም ከህተፍትፉ ይውዕሉ ኣለዉ። እንታይ ሓበጦም ንድሕነት ሃገርና ጥይትሲ ይትረፍ ንምንታይ ኣቶም ቦምብ ዘይንገዝእ ! ንሕና ኤርትራውያን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከፊልና ዘምጻእናያ ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከፊልና ዘውሓስናያ ኤርትራ ኩሉ ድሕሪኣ እምበር ቅድሚኣ ንሰርዖ ነገር የብልናን። ነዛ ቅድስቲ ህያብ ቅዱሳን ሰማእታት ዝኾነት ኤርትራና ዝትንክፍ ሎሚ ውን ከም ትማሊ ወይለኡ! ኣንታ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትማል ኣብቲ ጥምጥም ኣብቲ ምትሕንናቕ ዘርኣኻዮ ጽንዓትን ጅግንነትን ንዓለም ኣገሪሙ እዩ።በቲ ንጸላእትኻ ረመጽ ነስኒስካ እንዳደምሰስካ በቲ ሓደ ወገን ድማ ለይትን ቀትርን ኣስሚርካ ሃገር ትሃንጽ ዘሎኻ ፡ ኣጆኻ ክብርን ሞገስን ንዓኻ ንሕና ውን ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ጎድንኻ ኣሎና! ሕድሪ ሰማእታት ኣዝዩ ረዚን እዩ፡ ነዚ ረዚን ሕድሪ እዚ ብጀካና ዝስከሞ የሎን! ንሕና ኢና ተቐበልቲ ሕድሪ ሓለውቲ ሃገር ሃነጽቲ ሃገር! ወድሰብ ኣብ ዓለም ንዘለኣለም ነባሪ ኣይኮነን፡ ንዘለኣለም ዝነብር ታሪኹ እዩ። ወዮም ዝኸድዑ ኣብ ጎድኒ ጸላኢ ተሰሊፎም ሃገር ንምጥፋእ ዝዓጠቑ ከደዓት በዚ ጽዩፍ ታሪኾም እናተዘከሩ ይነብሩ። ወዮም በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ቅያ ፈጺሞም ዝሓለፉ ከኣ በቲ ጽቡቕ ተግባራቶም ንዘለኣለም ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ህዝቦም ብኽብሪ ኮፍ ኢሎም ክዝከሩ ይነብሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ „ እንግድዓ ንፍልሖ’ዩ ጽቡቕ ታሪኽ’ዩ ነባሪ ከሎኻን ከሎካን ግበር መዘከሪ“ ዝተባህለ። ሎሚ ኣብዚ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ሕንፍሽፍሽ ፈጢራ ንኣህዛብ ብዂናት በታቲና ሃብቲ ኣፍሪቃ ንምግሓጥ ብፍላይ ከኣ ነታ ናይ ኣብ ርእስካ ምኽኣል መትከል ረጊጻ ኣብ ምዕባለ ትውንጨፍ ዘላ ኤርትራ ብኢድ ኣዙር ንምጥፋኣ ኣብ ተዕገርግረሉ ዘላ እዋን ንሕና ብዝሓየለን ብዝጸንዐን ኮታ ብኹሉ መዳይ ሓድነትና ኣትሪርና ንኹሉ ክመጽእ ዝኽእል እንተታት ቅሩባት ኮይና ኣብ ተጠንቀቕ ክንጸንሕ ኣሎና። ንሃገርና’ሞ ካባና ሓሊፉ መን እዩ ክከላኸለላ ! ሱዳናውያን ፡ የመናውያን ፡ኢትዮጵያውያን ፡ ወይሲ ምስራውያን እዮም ክከላከሉላን ክሃንጽዋን ! እታ ሃገር ናትና እያ እቶም ሕድሪ ገዲፎም ዝሓለፉ ሰማእታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም። ክንዲ ዝኾነ ከኣ እቲ ሕድሮም ወትሩ ኣብ ዝባንና እዩ።ሕድሪ ሰማእታቱ ዘየኽብር ኤርትራዊ ፡እንትርፎ እቶም ውሑዳት ቀደም ማዕበል ሰውራ ጉሒፉ ንደገ ዝሰንደዎም ጎሓፋት ካልእ ዋላ ሓደ የሎን ። ንሕና ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ነዚ ኣብ መላእ ዓለም ሆ እናበልና ተበጊስናሉ ዘሎና ህዝባዊ መኸተ ግዜ ከይቀተልና ክንጓየየሉ ኣሎና! ነዚ መዓድን መኻርን ፡ ጓሳን መሰዓብን ንደልየሉ ጉዳይ ኣይኮነን።ጸላእትኻ ትማል እንታይ ከም ዝገበሩ ትርስዖ ኣይመስለንን! መቓብር ሓርበኛታት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣዕንዮምን ፍሒሮምን ኣስከሬኖም ዘርዮም፡ እንተዝዕወቱ ኔሮም’ከ እንታይ ከም ዝገብሩ ትስሕቶ’ዶ ! ኣይንስሕቶን ።ሎሚ ካብቲ ናይ ትማል ብዝተዓጻጸፈ ተዳሊናን ሴፍና ስሒልናን ኢና እንጽበ፡ ዕምሩ ዝሓጸረት ከኣ ይምጻእ እሞ ኣብኣ ትደዮ ።እታ ቅድሚ ሱሳ ዓመት ብኣቦና ሓርበኛ ኢብራሂም ሱልጣን „ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ እንተዘይረኺቡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክርከብ ማለት ዘበት“ ዝበልዋ ሎሚ ውን እዞም ኤርትራ ንምጥፋእ ዘዕገርግሩ ዘለዉ ኣሜሪካን ሰዓብታን ኢዶምን እግሮምን እንተዘይ ኣኪቦምን ብሰላም ክንነብር እንተዝይገዲፎሙናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ረመጽ ክክዖ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ።ነጻነትና ገንዘብ ከፊልና ዘይኮንናስ ቀያሕቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከፊልና ዝረከብናያ ብምዃና ደምና ከፊልና ንዘለኣለም ክንዕቅባ ምዃንና ክፈልጡ ይግባእ። ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!! ክብርን ሞገስን ንሓ.ም.ኤ.!!! ዓወት ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ!!! ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!! |
|
| Last Updated ( Sunday, 07 September 2008 ) |
| Next > |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo
Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC
From `legal nonsense� to `legal fiction�.

With effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.