| Poem: Metkelawi Emnet |
|
|
| Written by Amiche | |
| Sunday, 16 September 2007 | |
|
ወጻኢ ኣታዊ ነኪኻ ደሚርካ ኪሳራ ትርፍኻ መቒልካ ‘ራቢሕካ ኣብ ሓዲኡ ርገጽ የማን ጸጋም ኢልካ መንጎ መንጎ የለን ዕዳጋ ወሪድካተበላጺ ኣይትኹን ኣብ ድሙቕ ሳዕሲዕካ መትከልካ ኣነጽር ነግ ፈረግ ከይበልካ ግራጫ ኣይትጥሓል ኩነታት መዝሚዝካ ናብ ሓዲኡ ወግን ጻዕዳ ጸሊም ኢልካ
ወይ ብክብረትካ መንግስቲ ሓቚፍካ ምስ ህዝቢ ወጊንካ ከም ቀደም ጸኒዕካ ወይ ምስ ወያነ ትግራይ ታሪኽካ ከሲርካ ናብ ሱዳን ስደትካ ዓሌትካ ኣጽኒትካ
ወይ ስውኣትካ ታሪኽካ ዓቂብካ ስረ ጅግንነትካ ዳግም ኣመስኪርካ ወይ ትሕቲ መዝመዝቲ ጭራኻ ደጒልካ ምስ ደቂ ኣሉላ ጊልያ ተቆጺርካ
ብድሆ ምስ ኣዴታት መዓንጣ ሸጥ ኣቢልካ ሓቂ ተመርኲዝካ ከም ዳዊት ተቢዕካ ወይ ከም በዓል ሶማል ሕሱም ተበቲንካ ስልጣን ንዕሱባት መገዲ ከፊትካ
ዋርሳይ ይከኣሎ ነብስኻ ክኢልካ ናትካ ዲሞክራሲ ዘሪዕካ ኮስኲስካ ወይ ተጎምቢሕካ ጻዓዱ ለሚንካ ከምቶም ኢትዮጵያውያን ካብ ወጻዕ ሸሚትካ
ባንዴራ ስውኣት ዓቂብካ ህያብካ ቀጣን ዘንጊ ሓቂ ምስ ግንባር ጨቢጥካ ወይ ዓሰርተ በትሩ ወትሩ ተቀጥቂጥካ ናብራ ኣይትበሎ መንነትካ ሼጥካ
ቀደም ኣይነበረካ ሎሚ ኣይጠፍአካ ቆንስል ኤምባሲ ምዕጻው ጸላኢ ደጊፍካ ምልክት ስዕረት’ዩ ዘተብእ ሓሞትካ እቲ ኸልቢ ይንባሕ ቪባ ምስ ገመልካ
“ዓዋተ” “ኣዝማሪኖ” “ጥልቁያት” ደሚርካ ዕሱባት ጊልያታት ከም ወትሩ መኪትካ እቲ ኩሉ ዓጽዋር ፈኸራ ዘኪርካ ንዝመጸ ወራር “ብድሆ” ደጊምካ
ሎሚውን ከም ቀደም ሓቂ ተመርኲዝካ ብናይ ወረቐት ነብሪ ወረ ከይሰምበድካ ሰማንያን ሸሞንተን ፍሒራ ዘኪርካ “መትከላዊ እምነት” ድገሞ ዓው ኢልካ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና ! ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !
ኣምቼ |
|
| Last Updated ( Wednesday, 19 September 2007 ) |
| < Prev |
|---|
>> Download MP3 Song - "Egermenalo" by Wedi Tikabo


Letter dated Nov. 30'07 from the Legal Adviser to the President of Eritrea to the president of the UNSC
From `legal nonsense� to `legal fiction�.

With effect from midnight tonight (30.11.2007), the demarcation of Ethio-Eritrean boundary will be as complete as any demarcated interstate boundary would be, if not better defined.