Tigrigna Articles
ሕድሪ ሰማእታትና ንሕና’ምበር መንደኣ’ሞ ክስከሞ!
Ametawi Akeba Abalat HGDEF Chenfer Debub German
ዓመታዊ ኣኼባ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ ን/ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ኣባላት ህ.ግ.ደፍ ን/ጨንፈር ደቡብ ብዕለት 17.11.2007 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት „ህግ ሓወልቲ ክብርታትና ዝነደቐ ደርማስ ሓይሊ ህዝቢ ኢዩ“ „ሎሚ’ዉን ከም ትማሊ ሻዕብያ“ ዝብሉ ጭርሖታት ዝተሰነዩ ዓመታዊ ኣኼባኦም ኣካይዶም።
Shiyutat, Drama kedaAt!
ጥቅምቲ 31 2007 ሓደ ጭፍራ ዕሱባት ወያነ ኣብ ዋሺንግተን ዲ.ሲ. ብስም “ሰላማዊ ሰልፊ” ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ጫው ጫው ክብሉ ክትሪኦም መልኣከ ሞት ዝሰረሮም ኣጋንንቲ ይመስሉ ኔሮም:: እዚ ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ተኣካኺበ ዝበለ ጭፍራ ብቑጽሪ ሓደ ሚእቲ ዘይበጽሕ ኮይኑ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጉጅለታት ዘጠቓለለ ኔሩ::
Tigrigna: Minister Gudayat Wetsa i Ertra nErtrawyan ab New York kebabian Seminar akaydu
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ
ትማሊ ሰንበት 30 መስከረም፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣምባሳደር ግርማይ ገብረማርያምን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኒውዮርክን ከባቢኣን ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምትዕንቓፍ መስርሕ ሰላም ወያነ ብደገፍ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መስርሕ ህንጸት ሃገራዊ ቁጠባን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ትካላዊ ኣሰራርሓን፣ ተራ ህዝቢ ኣብ ምምካት ተጻብኦታትን ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግሊጺ ኣቕሪቡ።
Tigrigna: msTiR Awetna?
ምስጢር ዓወትና?
ሓደ ሰውራዊ ውድብ ወይ ግምባር ፡ ዕላምኡ ክወቅዕን ኣብ ናይ መወዳእታ ሾትኡ ክበጽሕን ሰረ-ተሓሳቡን መርሓኡን ብግቡእ ከንጸባርቕ ይግባእ ፡ መትከላዊ ዕላማታቱ ንጹርን መርሒነቱ ቅኑዕን ምስዝኸውን ድማእዩ ምዕቡል ጉዕዞ ዝኸይድን ዓወታት ዝሓፍስን ፡ ምግላጽን ምንጽብራቕን መትከላዊ ዕላማ ክኣ እዩ ፡ ነቲ ቃልሲ ብዝሰፍሐን ዝዓሞቐን መንገዲ ተሳታፍነት ሓፋሽን ዘዕብዮ ፡
Page 1 of 2






